Saturday , May 18 2024

መንገዲ ኣየር ሳስ ናብ ከተማ ኬሮና ዝነበሮ በረራ ከምዘቛሮጾ ሓቢሩ።

ዋላኳ ካብ ቆንስል ከተማ ኬሮና ቊጥዐ እንተጋጠሞ መንገዲ ኣየር ስካንዲናቭያ ናብታ ከተማ ዝገብሮ በረራ ምቊራጹ ተገሊጹ። መንገዲ ኣየር ስካንዲናቭያ ምስ ንግድ ብዝተሓሓዝ ምኽንያት ካብ ሎሚ ሰኑይ ጅሚሩ ናብ ከተማ ኬሮና ዝገብሮ ዝነበረ በረራ ከቋርጽ ምዃኑ ኣፍሊጡ። እዚ ካብ ቆንስል እታ ከተማ ከቢድ ቅሬታ ምኽታሉን እታ ከተማ ንሰሙን ዝጸንሕ በረራ ውሑስ ንምግባር ክሳብ 180 ሽሕ ክሮና ወጻኢ ክሓታ ከም ዝኽእልን SVT ሓቢሩ’ሎ። እዚ መንገዲ ኣየር ብቅልውላው ኮሮና ከቢድ ማህሰይቲ ኣኳ እንተወረዶ ካብ ስቶክሆልም ናብ ኡምያ፥ ሊልዮን ኬሮና ዝገብሮ ንግዳዊ በረራ ክቕጽሎ ምዃኑ ቃል ኣትዩ ኔሩ’ዩ።

እንተኾነ ግና ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ ውሳነ ንግዳዊ ረብሓ ከም ዘይብሉ ብምግላጽ ናብታ ከተማ ዝገብሮ በርራ ምስራዙ ገሊጹ’ሎ ። “እዚ ቅልውላው ክፍታሕ ንሰርሕ ኣሎና” ክብል ቅረታ እተሰምዖ ቆንስላ ጉናር ሲልበሪ ተዛሪቡ። ንሱ” ካብን ናብን ኬሮና 40 መናብር ሕዛእቲ ኔሩን” ዝበለ እቲ ቆንስላ እዚ ውሳነ ዝስዕቦ ፋይናንሳዊ ወጻኢታት ንምሽፋን ምስቲ መንገዲ ኣየር ምዝርራብን ሓላፍነታዊ ንምዃንን ኣብ ጻዕሪ ምህላዉ ኣመልኪቱ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com