Saturday , May 18 2024

መንገዲ ኣየር ስካንዲናቭያ SAS ናብ ከተማታት ማእከላይ ባሕሪ ዝገብሮ መገሻታት ዳግማይ ክጅምሮ እዩ።

ኣብ ወርሓ ሰነ ናይ ውሽጥን ኣህጒራዊን በረራታቱ ብፍላይ ድማ ናብ ኣውሮጳውያን ከተማታት ማእከላይ ባሕሪ ከም ዝጅምር መንገዲ ኣየር ስካንዲቭያ SAS ገሊጹ። እዚ ይዂንምበር ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ ሽወደን ኣድለይቲ ዘይኮኑ መገሻታት ክውገዱ ብተደጋጋሚ ጻውዒት ይገብር ምህላዉ ይፍለጥ። “ኲሎም ተጓዓዝቲ ምስ መምርሒታት ሚኒስትሪ ጒዳያት ወጻኢ ሽወደንን ካልኦት ከተግብሩ ከም ዝግባእ” በዓልቲ መዚ ፕረስ እቲ ኲባንያ ፍረያ ኣናማዝ ተላብያ ክብክ ኣገልግሎት ዜና TT ሓቢሩ’ሎ። ኣብ ውሽጢ ሽወደን ናይ ምጒዓዓዝ ናጽነት ዘበስር መግለጺ ብሓሙስ ድሕሪ ምውጽኡ መንገዲ ኣየር ስካንዲናቭያ ብ 18 ሰነ ውሽጣዊ በረራታት ምጅማሩ ዝፍለጥ እዩ።

ብዘይካዚ እቲ ኲባንያ ብመሰረት ጠለብ ናብ ብዙሓት ሃገራት ኣውሮጳ ከባቢ ባሕሪ መዲተራንያን እንተላይ ስጳኛ፥ ኒስ፥ ኣቴንስ፥ ተሰሎንቄን ምመስመር ጒዕዞ ምጅማሩ ኣበሲሩ’ሎ። ካብ ሎሚ ቀዳም ጀሚሮም ተጓዓዝቲ ካብ ኣርላንዳ ናብ ኣቴንስ ምብራር ከም ዝኽእሉ ድማ ተገሊጹ። እዚ ይዂንምበር በረራ ኣብ ሰሙን ሓንሳብ ጥራይ ብምኳኑ ትራፊክ መንገዲ ኣየር ካብቲ ንቡር ዝተሓተ ከም ዝኸውን ተገሊጹ’ሎ። ዋጋ ቲኬት ገና ከም ዘይተወሰነን ብመጠን ጠለብ ዓማዊልን ኣብ ጽላት በረራ ዘሎ ውድድርን ከም ዝውሰንን ኣናማትዝ ሓቢሩ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com