Monday , May 20 2024

መንገዲ ኣየር ስካንዲናቭይ ብውሑስ ኣገልግሎቱ ኣብ ዓለም መበል 13 ዝበለጸ መንገዲ ኣየር ተባሂሉ።

AirlineRating.com ዝተባህለ 405 መንገዲ ኣየራትን ውሕስነተንን ዝከታተል ኣካል ብዓለም ደረጃ ዳህሳስ ድሕሪ ምግባር ዓመታዊ ጸብጻቡ ኣቕሪቡ’ሎ። እዚ ኣገባብ ብዙሓት ረቛሒታት ኣብ ግምት ዘእተወ እዩ። ካብ ሰብመዚ በረራን መንግስታትን ዝርከብ ርእይቶታት፡ ናይ ምሕምሻሽ ታሪኽን ካልእ ሓደጋታትን ፋይናንሳዊ ኲነታት ከምኡ’ውን ስልጠና ፓይሎታት ዝብሉ ኣብ ግምት ዘእተወ እዩ።

መንገዲ ኣየር ኣውስትራልያ ካንታስ ቀዳማይ ደረጃ ክሕዝ እንከሎ መንገዲ ኣየር ኒውዚላንድ ካልኣይ መንገዲ ኣየር ኢቲሓድ ዱባይ ሳልሳይ ቀጺሎም ድማ መንገዲ ኣየር ቐጠር፥ ሲንጋፖር፥ ሆንግኮንግን ካቲን ብምባል ክሳብ 10ይ ደረጃ ተሰሪዖም ኣለዉ። ካብ 10ይ ክሳብ 20 ኣብ ዘሎ ደረጃ ኸኣ መንገዲ ኣየራት ሃዋይ፥ ብሪቲሽ፥ ፖርቱጋል፥ ኣብ ሽወደን ዝመደብሩ መንገዲ ኣየር ስካንዲናቭያ፥ ሮያል ጆርዳን፥ ስዊዝ፥ ሉፍታንዛን ዳች ኬኤል ኤምን ተሰሪዖም ኣለዉ።

ኣብዚ ዝርዝር ዘይኣተዉ መንገዲ ኣየራት እዞም ዝስዕቡ እዮም። ብሪቲሽ ኣየርዌይስ፥ ኣመሪካን ኣየርላይንስ ኣንድ ዩናይትስ ኣየርላይንስ። መንገዲ ኣየራት ጃፓንን ዩኤስ ዴልታን ኣብዚ ዓመት ካብ ዝነበረ ዝርዝር ኣይኣተዋን።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com