Monday , May 20 2024
Henrik Montgomery / TT kod 10060

መንግስቲን መሻርኽቲ ሰልፊታትን ናይ 15 ቢልዮን ክሮነር ሓድሽ እማመ ኣቕሪቦም።

ካብቶም ብዙሓት በዚ እማመ ብምኽንያት ለበዳ ኮሮና ዝተኸስተ ልዑል መጠን ሽቕለት ኣልቦነትን ካሕሳኡን ክኾኑ እዮም። ” ብመሰረት እዚ እማመ ፋይናንሳዊ ሓገዝ ዝግበረሎም ሰባት እናበዝሑ እዮም ክኸዱ” ክብል ሚኒስተር ፋይናንስ ሚኒስተር ማግዳሊን ኣንደርሰን። እዚ ወሰኽ ካብ 760 ክሳብ 1000 ክሮና ኣብ መዓልቲ ክኸውን ከም ዝኽእል ድማ ተመልኪቱ። እዚ ወሰኽ ግዜያዊ ኰይኑ ካብ ሰነ 2020 ክሳብ ጥሪ 2021 ክጸንሕ እዩ።

ናይ መጸበዪ ግዜ (Karensdagen)

ብመሰረት እዚ እማመ ኣብ ፈለማ መዓልቲ ሕማም ዝህሉ ካሕሳን ናይ መጸበዪ ግዜ ካብ 31 ግንቦት ክሳብ መስከረም 30 ክናዋሕ እዩ። ኣብ ተመሳሳሊ ግዜ ካሕሳ ካብ ባሕቲ ሰነ ጀሚሩ ናብ 104 ክሮና ክዓቢ እዩ።

እዚ ማለት በዚ ሕማም ዝተለኽፈን ናብ ኤጀንሲ ማሕበራዊ ድሕነት መመልከቲ ከእቱ ይኽእል እዩ። እዚ ናይ ሕጂ ውሳነ ምስቲ ናይ ዝሓለፈ እንክነጻጸር ካብ 700 ናብ 804 ክብ ክብል እዩ። “እዚ ማለት ዘዋር ኣውቶቧ ካብዚ ቅልውላው ንምምላጥ ዝሓሸ ዕድል ክህልዎ እዩ” ክትብል ሚኒስተር ፋይናንስ ማግዳሊና ኣንደርሰን ገሊጻ።

ናይ ሕክምና ምስክር ወረቐት

ኣብተን ፈለማ 14 መዓልታት ሕሙም ምስክር ወረቐት ሕክምና ከቕርብ ኣይግደድን እዩ። እዚ ናይ ሕማም ካሕሳ ናይ ኲባንያትታ ክሳራ ወርሓት ሰነን ሓምለን ክሽፍን እዩ። ናይ ባዕላቶም ስራሕ ንዝሰርሑ ሰባት ዝግበር ናይ ሕሙም ካሕሳ ካብ 31 ግንቦት ክሳብ 30 መስከረም ክናዋሕ እዩ። እዚ ማለት ክሳብ 804 ክሮና ካሕሳ ክወሃቦም በዚ ሓድሽ እማመ ክኽእሉ እዮም።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com