Friday , May 17 2024

መንግስቲ፡ ህዝባዊ ኣገልግሎት ጥዕና ሽወደን ተወሳኺ ናይ ክሮና ቫይረስ መርመራታት ንኸካይድ ሓላፍነት ክወሃቦ’ዩ።

ህዝባዊ ኣገልግሎት ጥዕና ሽወደን ተወሳኺ መርመራታት ክሮና ቫይረስ ንኸካይድ ብመንግስቲ ሓላፍነት ከወሃቦ ምዃኑ መራሒ ዓቃባዊ ሰልፊ፡ ኦልፍ ክሪስቶርሾን ሓቢሩ። ኣብ ኣገልግሎት ጥዕና ዝሰርሑ እቶም ቀዳሞት መርመራ ዝካየደሎም ክፋል እዮም። ስዒቡ ድማ ንብዙሓት ዝሽፍን መርመራታት ክካየድ ምዃኑ ክሪስቶርሾን ሎሚ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ድሕሪ ዝገበሮ ዝርርብ ንመርበብ ሓበሬታ ሽወደን TT ዝሃቦ ሓበሬታ ገሊጹ።

እዚ መስርሕ ናይ ቅምሶ መርመራ ቅድሚ ሳምንታት ክትግበር ዝነበሮ እኳ እንተነበረ ሕጂ ንምትግባሩ ይበጋገስ ምህላዉ ሰባት ብክሮና ቫይረስ ከም ዘይተለኽፉ ንምርግጋጽን ካብ ሕማም ኮቪድ-19 ዝሓወዩ ኮይኖም ዘጥረይዎ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ እንተለዎም ንምፍላጥን ዘኽእል ምዃኑ እቲ መራሒ ሰልፊ ብተወሳኺ ገሊጹ።

ዝሓለፈ ሰሙን ሽወደን ንልዕሊ 10 ሽሕ ሰብ መርመራ ናይ ክሮና ቫይረስ ኣካይዳ ከምዝነበረትን ጠቕላላ ድምር መርመራ ናይ ዝተገብረሎም ሰባት 24500 በጺሑ ከምዘሎ ኣብ ኣገልግሎት ጥዕና ሽወደን ተመራማሪ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ኣንድሽ ቲንግል ገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com