Sunday , May 19 2024

መንግስቲ፡ ናብ እንዳ መእለይ ዓበይቲ ዝግበር ምብጻሕ ብወግዒ ከልኪሉ።

ብ ሰኑይ ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ኣብ ኣኼባ መንግስቲ ዘመሓላለፎ ውሳነ፡ ናብ ኩሎም ኣብ ሃገርና ዝርከቡ መናበይ ዓበይቲ ዝግበር ዝጸንሐ ምብጻሕ ከምዝተኸልከለ ይዝከር፡ ሎሚ ኣብ ዝገበሮ ጋዜጣዊ ዋዕላ ድማ ንትግባረኡ ኣመልኪቱ ካብ ጽባሕ ረቡዕ ዝጅምር ምዃኑ ኢሉ ከምዝተዛረበ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን፡ ኢዛቤላ ሎቪን ሓቢራ። ቅድሚ ሕጂ እንዳ መናበይ ዓበይቲ ምብጻሕ ከምዘየድሊ መንግስቲ ሓቢሩ ከምዝነበረን፡ ገለ ምምሕዳራት ውን ናብ እንዳ መናበይ ዓበይቲ ምብጻሕ ደረት ከምዝገበራሉ እታ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ብተወሳኺ ገሊጻ። መንግስቲ ሽወደን፡ መደባት ተወሳኺ መርመራታት ናይ ቫይረስ ክሮና ንምክያድ ሓላፍነት ንህዝባዊ ኣገልግሎት ጥዕና ሽወደን ከምዝሃበ ይፍለጥ።

ብመሰረት ዝወጽእ መደብ፡ ኣብ ኣገልግሎት ጥዕና ዝሰርሑ ናይ መርመራ ቀዳምነት ክረኽቡ እንከለዉ እቶም ቀዳሞት ተጠቃዕቲ ዝበሃሉ ክፋል ሕብረተሰብ ድማ ቀጺሎም ናይ መርመራ ዕድል ክረኽቡ ምዃኖም ሓቢራ። ኣብ ሰሙን ካብ 20 ሽሕ ክሳብ 30 ሽሕ ዝኾኑ ሰባት መርመራ ክግበረሎም ከምዝኽእል ሚኒስተር ህዝባዊ ጉዳያት፡ ሊና ሃሊንግሪን፡ ትእምት። መርመራ ናይ ክሮና ቫይረስ ምግባር ብዙሕ ኣወንታዊ ጥቕምታት ክህልዎ እዩ። ብዙሓት ካብ ስራሕ ተፈልዮም ዘለዉ ሰባት ነጻ ምዃኖም እንተተፈሊጡ ናብ ስራሕ ናይ ምምላስ ተኽእሎታት ክህሉ እዩ።

ንኣገልግሎት ጥዕና ውን ዝሓሸ ሃዋሁ ክፈልጥረሉ ይኽእል ክትብል ሊና ሃሊንግሪን ብተወሳኺ ገሊጻ። ክሳብ ሎሚ ልዕሊ 36 ሽሕ ሰብ መርመራ ናይ ክሮና ቫይረስ ተኻይድሎም ምህላዉ፡ እዚ ቁጽሪ’ዚ ድማ ምስተን ካልኦት ሃገራት ዝገብረኦ ተመሳሳሊ ምዃኑ፡ ህዝቢ ሽወደን ድማ ነዚ ለበዳ ናይ ክሮና ቫይረስ ንምግታእ ዝከኣሎ ክገብር ሓላፍነቱ ምኳኑን ግዴታ እንተዘይኮይኑ ካብ ገዛ ንኸይወጽእን ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ስቴፋን ሎቪን፡ ሎሚ ኣብ ዝገበሮ ጋዜጣዊ ዋዕላ ኣዘኻኺሩ። ኩነታት ናብ ንቡር ቅድሚ ምምላሱ ዝኸበድ ክኸውን ከምዝኽእልን ዝቕጽላ ሳምንታት ድማ ወሰንቲ ምዃነን ሎቪን ብተወሳኺ ገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com