Friday , May 17 2024

መንግስቲ ሱዳንን ምንቅስቓስ ሓርነት ሱዳን–ሰሜንን ንዘተ ሰላም መንገዲ ዝጸርግ ስምምዕ ይኽትሙ።

መንግስቲ ሱዳንን ብዓብዱልዓዚዝ ኣልሒሉ ዝምራሕ ዕጡቕ ተቓዋሚ ጒጅለ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ሱዳን–ሰሜንን ሓደ ካብተን ምስቲ ኣብ 2019 ዝቖመ መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን ስምምዕ ሰላም ክኽትማ ተዳልየን ዘለዋ ዕጡቓት ጒጅለታት እዩ። እዚ ትማል ሰንበት ኣብ ርእሰ ከተማ ደቡብ ሱዳን–ጁባ እተዳለወ “ኣዋጅ መትከላት” ኲሎም ሰራዊታት ዝወሃሃዱሉን ሱዳን ናብ ዓለማዊት (ሴኩላር) መንግስቲ እትሰጋገረሉን ኣገባባት ክዝቲ እዩ።

ሰብ ዝደለዮ ሃይማኖት ክኽተል፣ እዚ መሰል ክሕለወሉ፥ እታ መንግስቲ ድማ ዝኾነ ወግዓዊ ሃይማኖት ኣይክትስዕብ እያ ይብል እቲ ሰነድ። እዚ ሰነድ፡ ግርጭት ንምፍታሕ ዝሕግዙ ዝተፈላለዩ መትከላት ዝሓዘ ኮይኑ፡ ንዜጋታት ናይ ኣምልኾትን እምነትን ናጽነት ከውሕስ እዩ ተባሂሉ’ሎ። በዚ ድማ እዚ ናይ ትማል ሰንበት ስምምዕ፡ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ ክብሉ ተንተንቲ ይገልጹ ኣለዉ።

ሃገረ ሱዳን፡ ካብ 1983 ጀሚራ፡ ብሕጊ ሻሪዓ ክትመሓደር ምጽንሓ ዝፍለጥ እዩ።፡


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com