Saturday , May 18 2024

መንግስቲ ሽወደን፡ ነቶም መምርሒ ፍቓድ ከውጽኡ ዝደልዩ ሰባት፡ ልቓሕ CSN ዝረኽብሉ መንገዲ ከቃልል ከምዝደሊ ተሓቢሩ

መንግስቲ ሽወደን፡ ነቶም መምርሒ ፍቓድ ከውጽኡ ዝደልዩ ሰባት፡ ልቓሕ CSN ዝረኽብሉ መንገዲ ንምቅላል ዘኽእል እማመ ንኸቕርብ ካብ CSN ኮሚቴ ከምዘቖመ ጸብጻባት ሬድዮ ሽወደን ሓቢሮም።

ቁጽሪ ናይቶም መምርሒ ፍቓድ መኪና ንኸውጽኡ ካብ CSN ልቓሕ ዝወሰዱ ሰባት ካብ ትጽቢት ንታሕቲ ምንባሩ ሚኒስተር ትሕተ ቅርጺ ሽወደን፡ ቶምስ ኢንድሮስ፡ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ።

ቅድሚ ክልተ ዓመታት፡ መንግስቲ ሽወደን፡ ነቶም ካብ 18 ክሳብ 47 ዓመት ዝዕድሚኦም ስራሕ ዝደልዩ ሰባት፡ ኣብ ዕዳጋታት ስራሕ ዝሓሸ ዕድል ንኽረኽቡ ምእንቲ መምርሒ ፍቓድ መኪና ንኸውጽኡ ልቓሕ ክህቦም ምውሳኑ ይዝከር።

ጸጋማዊ ሰልፊ ነዚ ዘሎ መንግስቲ ናይ ደገፍ ድምጺ ንኽህብ ምእንቲ ነዚ ጠለብ ምቕራቡ ይዝከር።

ክሳብ መወዳእታ ወርሒ ሰነ / 2020 ንልዕሊ 15600 ሰባት ጥራይ ልቓሕ ከምዝተዋህበ ይፍለጥ። እዚ ድማ 55% ካብቲ ዝቐረበ ጠለባት ልቓሕ ምኻኑ እዩ። እዚ ዝኾነሉ ቀንዲ ምኽንያት ድማ ብሰንኪ ጉድለት ናይ ከቕርብዎ ዝግባእ ዝነበረ ቅጥዕታት ሽቕለት ኣልቦነት ምኻኑ CSN ገሊጹ።

መንግስቲ ሽወደን፡ ጠለብ ልቓሕ ንምሕታት ዘድልዩ ኣገባባት ክቃለሉ ከምዘለዎምን ነቶም ልቓሕ ንኽሓቱ ናይ ቋንቋ ጸገማት ዘጓንፎም ሰባት፡ ዝተቓለለ ኣገባባት ንኽፍጠረሎም ጸዊዑ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com