Saturday , May 18 2024
Chief of the Defense Staff General Jonathan Vance shakes hands with a German soldier as he arrives with the first Canadian troops to arrive at a UN base in Gao, Mali, on Sunday, June 24, 2018. (Sean Kilpatrick/The Canadian Press via AP)

መንግስቲ ሽወደን፡  ንሩስያውያን ዕሱባት፡ ኣምሪሩ ነቒፉ

ሽወደን ነቶም ኣብ ማሊ ዝዋግኡ ዘለው ዕሱባት ሩስያውያን ብዕሊ ከምዝነቐፈት ተፈሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
ዋግነር ተባሂሉ ዝፍለጥ ናይ ሩስያ ኩባንያ፡ ናብታ ብናይ ጥቕሚ ግርጭት ትንኖ ዘላ ሃገር፡ ዕሱባት ከምዝሰደደ ምስተፈልጠ ናይ ብዙሓት ሃገራት ኩነኔ ካምዝበጽሓ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
ፈረንሳ እያ ንኻልኦት ምዕራባውያን ሃገራት ኣብ ጎና ብምስላፍ ነቲ ዕላዊ መግለጺ ኩነና ኣብ ምውጻእ ርኡይ ተራ ትጻወት ዘላ። ካብተን ነዞም ኣብ ማሊ ተላኢኾም ዘለው ዕሱባት ዝኾነኑ ሃገራት ውሽጢ፡ ዴንማርክ፣ ጀርመን፣ ዓባይ ብሪጣንያ፣ ካናዳ፣ ኔዘርላንድ፣ ጣልያንን ካልኦትን ይርከቡዎም።
እቲ ወግዓዊ መግለጺ ብተወሳኺ’ውን እቲ ነቐፌታ ናብ መንግስቲ ሩስያ ዘቕነዐ ከምዝኾነ ተሓቢሩ’ሎ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ እቲ ዋግነር ተባሂሉ ዝጽዋዕ ሩስያዊ ኩባንያ ዝገብሮ ንጥፈታት ንዋታዊ ሓገዝ ብምቕራብ ዝድግፍ ዘሎ፡ እቲ መንግስቲ ሩስያ ባዕሉ ብምዃኑ እዩ።
ቅድም ክብል ኣብ ዝተፋላለዩ ኣገደስቲ ዋኒናት ተሳትፎ ዘለዎ ኩባንያ ዋግነር፡ ተሪር ነቐፌታን ኩነናን ይበጽሖ ከምዝነበረ ዝፍለጥ እዩ። ፕረዚደንት ፈረንሳ፡ ኢማኑኤል ማክሮንን ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲንን ብሰሉስ ኣብ ዝነበሮም ርክብ፡ ማክሮን ነቲ ናይ ዋግነር ኣብ ማሊ ብዛዕባ ዝገብሮ ዘሎ ኢድ ምትእትታዋት ኣመልኪቱ ብቐጥታ ኣልዒሉሉ ከምዝነበረ ተሓቢሩ’ሎ።

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com