Sunday , May 19 2024

መንግስቲ ሽወደን፡ ንውሳኔ ምፍኳስ ቀይድታት ለበዳ ኮሮና፡ ንኻልእ እዋን ኣሰጋጊርዎ ተባሂሉ

ቀይድታት ህዝባዊ ምትእኽኻብ፡ ከፍኩሶ ምዃኑ፡ መንግስቲ ሽወደን፡ ሓቢሩ እኳ እንተነበረ፡ ብሰንኪ ዳግማይ ዝረአ ዘሎ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና፡ እቲ ውሳኔ ንኻልእ እዋን ከምተሰጋገረ፡ ሚኒስተር ማሕበራዊ ጉዳያት ሽወደን፡ ሌና ሃሊንግረን፡ ኣብ ጋዜጣዊ ዋዕላ ገሊጻ ክብል መርበብ ሓበሬታ ተተ (TT) ኣመሓላሊፉ።

መንግስቲ ሽወደን፡ ነቲ ኣብ ህዝባዊ ምትእኽኻብ ካብ 50 ሰባት ንላዕሊ ዘየፍቅድ ዝነበረ ቀይዲ፡ ኣብ ዕለት 15/10/2020 ናብ 500 ክብ ከብሎ ምዃኑ መደብ  ሒዙ ከምዝነበረ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ብሰንኪ ዝረአ ዘሎ ዳግማይ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና፡ ኣብ ኣሃዱታት ጥዕና ተወሳኺ ጸቕጢ ንኸይፈጥር ብምባል፡ ነቲ ሓሲብዎ ዝነበረ ውሳኔ ናብ ዝቕጽል ግዜ ከሰጋግሮ ተገዲዱ።

ምዕባለታት ምስፍሕፋሕ ኮሮና ኣብ ኤውሮፓ፡ ንኣሃዱታት ጥዕና፡ ኣብ ከቢድ ጸቕጢ ከእትወን ተኽእሎታት ኣሎ። ኣብ ሽወደን ዝረአ ዘሎ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ግን ዘሰክፍ’ኳ እንተዘይኮነ፡ ናብ ግጉይ ኣንፈት የምርሕ ኣሎ ክትብል ሃሊንግረን ገሊጻ።

ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ኣብ ሽወደን፡ ኣብ ስቶክሆሎምን ኡፕሳላን እናወሰኸ ይመጽእ ምህላዉ ጸብጻባት ይሕብሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com