Sunday , May 19 2024
Large outbreaks of infection affecting the whole of society, or the world, need to receive better legal support, according to Social Affairs Minister Lena Hallengren (S) (AP Photo/Jean-Francois Badias) STR103

መንግስቲ ሽወደን፡ ንዝቕጽል ለበዳ ምድላዋት ክገብር፡ ድሌት ከምዘለዎ ሓቢሩ

ሽወደናዊ ምክትታል ተመሓላለፍቲ ሕማማት፡ ኣብ ቀጻሊ ብኸመይ ኣገባብ ምዕቡል ዝኾነ መሳርሒታት ዓጢቑ ክሰርሕ ዝኽእለሉ መንገዲ ንምንዳይ፡ መንግስቲ ሽወደን፡ መጽናዕቲ የካይድ ምህላዉ ማዕከን ዜና ተተ ገሊጹ።

ክታበታት፡ እቶም ኣንጻር ለበዳ፡ እንጥቀመሎም ቀንዲ መሳርሒና  እዮም ክትብል ሚኒስተር ማሕበራዊ ጉዳያት ሽወደን፡ ለና ሃለንግረን፡ ሓቢራ።

ኣንጻር ዘጋጥሙና ቅልውላዋት፡ ብቐጻሊ፡ ዓቕሚ ሕብረተሰብና ከነሐይል ይግባእ ክትብል፡ ሃለንግረን፡ ብምውሳኽ ገሊጻ።

ኣብ ቀጻሊ ከጋጥመና ንዝኽእል ለበዳ ንምብዳህ ዘኽእለና ሕጋዊ መሳልል ንምንዳይ፡ ኣብዚ ሰሙን’ዚ፡ መንግስቲ፡ ንኣገባብ መርመራ ብዝምልከት፡ ውሳነ ከመሓላልፍ ምዃኑ ጸብጻባት ሓቢሮም።

እዚ ብመንግስቲ ክውሰድ ተመዲቡ ዘሎ ሓድሽ ውሳነ፡ ነቲ ሽወደን ኣንጻር ኣብ ቀጻሊ ከጋጥም ዝኽእል ለበዳ እትገብሮ ምድላዋት፡ ሓጋዚ ክኸውን እዩ ክትብል ሃለንግረን ገሊጻ።

ኣብ እዋን ለበዳ ኮሮና ዝተኣከበ ተሞክሮ፡ ንዝስዕቡ ኣጋጣሚታት ለበዳ ከም መምሃሪ ኮይኑና እዩ ክትብል እታ ሚኒስተር ወሲኻ ገሊጻ።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com