Sunday , May 19 2024

መንግስቲ ሽወደን ንግዚያዊ እገዳ መገሻ ን ተወሳኺ 30 መዓልታት የናውሖ።

መንግስቲ ንሽወደን ነቲ ካብ ኤዉሮጳ ወጻኢ ናብ ሽወደን ንምእታዉ ዝጸንሐ ግዚያዊ እገዳ ብምንዋሕ ን30 ተወሳኺ ማዓልታት ክጸንሕ ከምዝወሰነ፣ መራሒ መንግስቲ ስቴፋን ሎቨን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ። ንሱ ኣብቲ ሽወደን ንምስፍሕፋሕ ኮቪድ 19 ንምክልኻል መንግስቲ ካብ ዝወሰዶም፣ ብዙሓት ግዚያዊ ድንጋገታትን እገዳን ካብ ኤዉሮጳ ወጻኢ ካብን ናብን ሽወደን ዝግበሩ መገሻታት ምንባሩ ብምዝካር፣ ህዝቢ ኣብ ምኽባር ትእዛዛትን ምኽርን ከምቲ ልሙድ ክታሓባበር ሓቲቱ። መራሕ መንግስቲ ስቴፋን ብተወሳኺ ነቶም ትእዛዝን ምኽርን መንግስቲ ብምኽባር ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ባዓል ትንሳኤ ካብ ዘየድልይ ምንቅስቓሳትን መገሻን ብምቑጣቡ ክስዕብ ዝኽእል ዝነበረ ለበዳ ክከላኸል ምኽኣሉ ምስጋናን ናእዳን ኣቕሪቡ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com