Friday , May 17 2024

መንግስቲ ሽወደን ዝስጐጒ ዜጋታቶም ንኽቕበሉ ንሃገራት ኢራንን ሊባኖስን ሶማልን ጸቕጢ ይገብር ምህላዉ ተፈሊጡ።

“ዕቚባኦም ዝተነጽገ ግና ሃገሮም ምቕባል ዝኣበያኦም ሰባት ኣለዉ። ብኸምዚ ክቕጸል ኣይከኣልን እዩ” ክብል ሚኒስተር ፍትሒ ሞርጋን ጆሃንሰን ገሊጹ። ዝሓሸ መንፈስ ምትሕብባር እንተርኣዩ ብምባል ኣምባሳደራት እዘን ሃገራት ዓዲምና ከነዘረርቦም መዲብና ኣሎና። ብዘይካ’ዚ  ጆሃንሰን፡ ሶማልያ ፈጣሪት ሽግር  ዝኾነት ሃገር እያ። እንተኾነ ግና ምስሌነ እታ ሃገር ኣብ ሽወደን የብልናን ኢሉ።

ዛጊት ናብ ኣርባዕተ ሃገራት ክስጐጒ ዘይክእሉ ዜጋታት ምህላዎም ድማ ገሊጹ።

 ዒራቕ ናይ ሪኣድሚሽን ስምምዕ ምስ ሽወደን ከም ዝኸተመት እንተኾነ ግና ክተኽብሮ ትረአ ዘይምህላዋ ዘመልክተ ጆሃንሰን፡ እዘን ሃገራት ብኣህጒራዊ ሕጊ ተገዛእቲ ክኾና ትጽቢት ከም ዝግበረለን ኣስሚሩሉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com