Saturday , May 18 2024

መንግስቲ ሽወደን ጽባሕ ዓርቢ ን ኣብያትምህርቲ ኣመልኪቲ ውሳኔ ክህብ ሙዃኑ ገሊጹ።

ሚንስትሪ ትምህርቲ ኣና ኤክስትሮም ሎሚ ምሽት ንማእከናት ዜና ሽወደን ሎሚ ምሸት ኣብ ዝሃብቶ ጋዜጣዊ ዋዕላ ንለብዳ ኮሮና ቫይረስ ንምግታእ መንግስቲ ሽወደን ንጽባሕ ዓርቢ ኣብያተ ትምህርቲ ሸወድን ክዕጸዋ ወይ ክቕጽላ ዝብል ወሳኔ ኣብ ሓደ መደምደምታ ክበጽሕ ሙዃኑ ሓቢራ።

ከምዝፍለጥ ደንማርክ ኣቅዲማ ንኩሉ ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ ዝዓጸወትሉ ነርወይ ብወገና ካብ ዝመጽእ ሰኑይ ጀሚሩ ኩሉ ኣባይተ ትምህርቲ እታ ሃገር ክዕጸዋ ብምእዋጃ ሽወደን ብወገና ካብ ብዙሓት ዜጋታት ጸቕጢ ብምሕያሉ ነዚ ስጉምቲ ክትወስድ ጽባሕ ዓርቢ ትጽቢት ይግበር።

 ብመስረት ሓበሬታ እዛ ሚኒስተር ቀንዲ ምኽንያት ዘይምዕጻው ኣብያተ ትምህርቲ ሽወደን ብስንኪ ወለዲ ተምሃሮ ካብ ስራሕ ኣቛሪጾም ኣብ ገዛ ንደቕም ክከናኸኑን ክውዕሉን ስለዝግደዱ ኩሉ ዓይነት ስራሕ ኣብ ሓደጋ ወይ ክኸብድ ሙዃኑ እያ ኣና ኤክስትሮም ትሙጉት ዘላ።

ምንጪ፣ https://nyheter24.se/


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com