Friday , May 17 2024

መንግስቲ ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ኣብ ልዕሊ ሕብረተሰብ ክገብሩ ሓቲቱ።

መንግስቲ ሽወደን ምስ ምስፍሕፋሕ ቫይረስ ኮሮና ኣድላዪ ስጒምቲ ንምትግባር ናብ ባይቶ ከይቀረበ ንምውሳን ዘኽእሎ እማመ ሕጊ ምውጽኡን ተገሊጹ። ብመሰረት ኣገልግሎት ዜና TT መንግስቲ ተቓወምቲ ሰልፊታት ነዚ እማመ ክድግፍዎ ሓቲቱ’ሎ። መንግስቲ እዚ ሕጊ ብህጹጽ ክጸድቕን ኣብ ዝመጻ ሰልስተ ወርሓት ተግባራዊ ክኸውንን ጻውዒቱ ኣቕሪቡ’ሎ።

እቲ እማመ ምዕጻው ካፈታት ባራት ናይትክለባትን ኣብያተ ስፖርትን ከምኡ’ውን እክብ ምባል ዝኽልክል ኮይኑ ገለ መጓዓዝያ፥ ወደባትን መደብራት ኣውቶቡስን ባቡርን እውን ኣብዚ እማመ እቱዋት ተጌሮም ኣለዉ። ዓቃባዊ ስልፊ ስልጣን ካብ ባይቶ ናብ መንግስቲ ክመሓላለፍ ዝገብር ብምዃኑ እዚ እማመ መሰል ውልቀሰብ ዝገፍፍ እዩ ኢሉ’ሎ። ባይቶ መታን ናይ ምድማጽ ስልጣኑ ከይምንዛዕ እቲ እማመ ምምሕያሽ ክግበረሉ ኸኣ ኣተሓሳሲቡ።፡


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com