Saturday , May 18 2024

መንግስቲ ንሰዓታት ስራሕ ብ80% ናይ ምጉዳል ዝብል ሓሳብ ደገፉ ቀጺሉ።

መንግስቲ ሽወደን ብሰልፍታት ሞደራትናን ሊበራልን ተሓጊዙ ሰዓታት ስራሕ ሰራሕተኛታት ካብ ብ60% ናብ ብ80% ክጎድል ዝብል ሓሳብ ከም ዝደገፍዎ ተሓቢሩ። እዚ ውሳነ ነቶም ብሰንኪ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ዝተሃስዩ ወሃብቲ ስራሕ ምሉእ ደገፎም ንምርኣይ ዝዓለመ እዩ። ብሰንኪ ቫይረስ ኮሮና ዝወረደ ሃስያ ንምቕናስ ዝከኣል ስጉምታት ክንወስድ ኢና ክትብል ሚኒስተር ፋይናንስ፡ ማግዳሊና ኣንደርሸን፡ ሓቢራ። እዘን ኩባንያታት ብደገፍ መንግስቲ ንሰዓታት ስራሕ ብ60% ከጉድላ ክኢለን ነይረን። ሕጂ ድማ ሰዓታት ስራሕ ብ80% ከጉድላ ዕድል ረኺበን ኣለዋ።

ኩባንያታት ንተዋሂቡወን ዘሎ ሓገዝ ብግቡእ እንተድኣ ተጠቂመናሉ፡ ሰራሕተኛታት 20% ክሰርሑ ዘኽእል እዩ ክብል ዋሃብ ቃል ሰልፊ ሞደራትና፡ ኤሚል ሸለስትሮም፡ ሓቢሩ። እዚ ለውጢ ምጉዳል ሰዓታት ስራሕ ካብ መጀመርታ ግንቦት ጀሚሩ ንሰለስተ ኣዋርሕ ዕድመ ይህልዎ። እዚ ዓይነት ሓገዝ ንኩባንያታት ሰራሕተኛታተን ንኸየፋንዋን እቶም ሰራሕተኛታት ድማ ክሳብ 90% ናይ ደሞዞም ንኽረኽቡ ዘኽእል እዩ። ቤት ጽሕፈት ዕዮ፡ ሰዓታት ስራሕ ንምቕናስ ዝምልከት 24000 ጠለብ ከምዝቐረበሉን ን16000 ብኣወንታ ከምዝመለሰን ይፍለጥ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com