Sunday , May 19 2024
Credit: Henrik Montgomery/TT

መንግስቲ ኣብ ኮርሳት ስደተኛታት ናይ ግዜ ገደብ ከቐምጥ እዩ።

መንግስቲ ሽወደን፡ ከም ኣካል ናይቲ ኣብ ሽወደን ዝርከቡ ስደተኛታት ስራሕ ክረኽቡ ብምባል ዝገበሮ ጽገናታት፡ ኣብ ትምህርቲ
ስደተኛታት–SFI–ናይ ግዜ ገደብ ከቐምጥ ምዃኑ ተገሊጹ። ሚኒስተር ዕዮን ምውህሃድን ዮሃን ፐርሾን ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ
መግለጺ፡ ስደተኛታት ናብ ዕዳጋ ሽቕለት ንምእታው ምልከት ቋንቋ ሽወደን "ወሳኒ" ድሕሪ ምባል፥ እንተኾነ ግና ስደተኛታት ኣብ
ኮርሳት SFI ካብ ዝግባእ ንላዕሊ ግዜ ይወስዱ ምህላዎም ኣተሓሳሲቡ።
"ስለዚ ኢና ድማ ናይ ግዜ ገደብ ንምትእትታው ንሓስብ ዘለና” ይብል ፐርሾን ። ዋላ'ኳ ብዙሓት ሰራሕተኛታት ዝጠልባ
ኢንዱስትሪታት እንተሃለዋ፥ ኣብ መንጎ ኣብ ሽወደን ዝተወልዱ ሰባትን ካብ ሃገር ወጻኢ ዝተወልዱ ሰባትን ዘሎ ጋግ ዕድል ሽቕለት
"ኣዝዩ ዓቢ” ምዃኑ ፐርሾን ወሲኹ ኣመልኪቱ።
"ሰባት ክሰርሑ እንተኾይኖም ቋንቋ ሽወደን ክዛረቡ ወሳኒ'ዩ" ድሕሪ ምባል ኣብዚ ቀረባ እዋን መጠን ሽቕለት ኣልቦነት ናይ
ምንቁልቋል ዝንባለ የርኢ እኳ እንተሃለወ፡ እዚ ንንውሕ ዝበለ እዋን ከምኡ ኢሉ ከይጸንሕ ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ።

 

Credit: Henrik Montgomery/TT

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com