Friday , May 17 2024

መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብ ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ ከምዝተሳተፈ፡ ሰብ መዚ ኢትዮጵያ ኣረጋጊጾም

መንግስቲ ኤርትራ፡ ብወታሃደራዊ መገዲ ኣብቲ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣብ መሬት ትግራይ፡ ዝተኻየደን ዝካየድ ዘሎ ዉግእ ሕድሕድ ብሙሉእነት ከምዝተሳተፈ ሰብ መዚ ሰልፊ ብልጽግናን መራሕቲ ሰራዊት ኢትዮጵያን ብወግዒ ሓቢሮም።

ብመሰረት እቲ ሓበሬታ መራሕቲ ሰልፊ ብልጽግናን ሰራዊት ኢትዮጵያን ካብ ህዝቢ ትግራይ ንዝቐረበ ተኸታታሊ ሕቶ ንምምላሽ ኣብ ዝሃብዎ ወግዓዊ መልሲ ከምዝኾነ እቲ ሓበሬታ ኣነጺሩ።

ከንቲባ ከተማ መቐለ ከምኡ እዉን ኣዛዚ ሰራዊት ሰሜን እዝ ኢትዮጵያ ብሓባር ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ብመንን ብኸመይን ሰራዊት ኤርትራ ናብ ትግራይ ከምዝኣተወ ዝርዝር ሓበሬታ ካብ ምሃብ ብምቑጣብ ሰራዊት መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ትግራይ ኣትዩ ኩሉ ወታሃደራዊ ምንቅስቓስ ከምዘካየዱ ተኣሚኖም ኣሎዉ።

ኣቐድም ኣቢሉ መንግስቲ ኣሜሪካ፡ ኤርትራ ኣብ ኩናት ትግራይ ከምዝተሳተፈት ዘረጋግጹ ናይ ሳተላይት ስእልን ድምጽን ከምዝረኸበት ብምግላጽ፡ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ክስሕብ እኳ እንተጸዉዐት፡ መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ክሲ ነጺግዎ እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com