Saturday , May 18 2024
Fredrik Sandberg/TT

መንግስቲ ገበነኛታት ካብ ሽወደን ከባርር እዩ ተባሂሉ።

መንግስቲ ፍሩዳት ገበነኛታት ካብ ሃገር ንምብራር ናይ ማእከላይን ሊበራላዊ ሰልፍታት ደገፍ ምርካቡን ኣገልግሎት ዜና TT ሓቢራ። “ሕጂ ዘሎ ሕጊታት ኣዝዩ ልኡም እዩ። ኣብ ምድሪ ሽወደን ገበን ዝፈጸመ ሰብ ዘይዜጋ እንተኾይኑ ናብ ሃገሩ ክባረር እዩ ዘለዎ” ክብል ሚኒስተር ፍትሒ ሞርጋን ጆሃንሰን ገሊጹ። እዚ ምስጓጒ መዓስ ክትግበር ምዃኑን ኣብ ከመይ ኲነታትከ ካብ ትግባረ ክተርፍ ይኽእል ዝብል ገና ዘይደቀሰ ዛዕባ እኳ እንተኾነ ክብሪ ቤተሰብ ንምሕላው ተባሂሉ ብባህሊ ዝፍጸም ጎነጻዊ ገበናት ግና ናብ ምስጓጒ ከፍርድ ከም ዝኽእል ምምልካቶም ተሓቢሩ። እዚ መርመራ ክሳብ 2021 ኣብ ዘሎ ግዜ ክውዳእን ቅድሚ ዝመጽእ ምርጫ 2022 ምጅማሩ ኣብ ግብሪ ክውዕል ተስፋኡ ከም ዘንበረሉን ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com