Sunday , May 19 2024
(Olivier Hoslet, Pool Photo via AP) VLM361

መንግስቲ ፊንላንድ፡ ህጹጽ ናይ ዕጽዋ ግዜ የተኣታቱ

ኣብ ፊንላንድ፡ ዝተረሩ ቀይድታት ኮቪድ ክተኣታተዉ ምዃኖም ተሓቢሩ። እቲ ብልፍንቲ ቡዙሓት ሰልፍታት ዝቆመ መንግስቲ፡ ውሳነኡ ኣማሓላሊፉ’ሎ፡ ንሱ ከኣ ግድን ” ህጹጽ ናይ ዕጽዋ ግዜ ክተኣታቶ ኣለዎ ” ክትብል ቀዳመይቲ ሚኒስተር ፊንላንድ፡ ሳና ማሪን፡ ገሊጻ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
እዚ ማለት፡ ቕድሚ ኩሉ እቲ መንግስቲ ኣብቲ ጉዳይ ኣትዪ፡ ኣብ ክንዲ ብደረጃ ምምሕዳራት፡ ብሃገር ደረጃ ውሳነ ከመሓላልፍ እዩ።

” ንሕና በቲ ኣብ ሆስፒታላትን ናይ ህጹጽ ክንክን ጥዕና ማእከላትን ዘሎ ጾር ተሻቂልና ‘ለና” ዝበለት ማሪን፡ ንሳ ጸቒጣ፡ ካብዚ ዘሎ ኩነታት ንምውጻእ ብዝተካእለ መጠን ብዙሓት ሰባት ሳላሳይ ብልቃጥ ክታበት ክወስዱ ኣለዎም ኢላ።

ካብ ድሮ በዓል ልደት ጀሚሩ፡ ቤት -መግብታትን ቤት-መስተን ብእዋኑ ክዕጸው ‘ዮም። ካብ 28 ታሕሳስ ድማ፡ ካብቲ ዝነበረ ብዝቀልጠፈ ግዜ ሰዓት 5 ድ.ቐ. ክዕጸው’ዮም።
ካብ ዕለት 28 ታሕሳስ፡ ኩሎም ናብ ፊንላንድ ዝኣትው ሰባት፡ ካብ ኮቪድ ናጻ ምዃኖም ዝገልጽ ናይ መርመራ ውጺኢት ግድን ከቕርቡ ክሕተቱ እዮም።
ብተወሳኪ፡ ኣብ ህዝባዊ በዓላት ንምስታፍ፡ ውሱን መጠን ብዝሒ ተሳተፍቲ ክህሉ ምዃኑን፡ እንተኾነ ግን፡ ናይ ክታበት ምስክር ምሕታት ከድሊ ምዃኑ ተገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com