Sunday , May 19 2024
Minister for Social Affairs Lena Hallengren (S) Foto Fredrik Sandberg / TT kod 10080

መንግስታዊ ምሕደራ ወሃብቲ ኣገልግሎት ጥዕና፡ ንምዕባይ፡ መርመራታት ተጀሚሩ

ኣብ ቀጻሊ፡ ወሃብቲ ኣገልግሎት ጥዕና ሽወደን፡ ካብ ቀንዲ ሃገራውያን ረብሓታት ንምዃን ምእንቲ፡ ኣብ ልዕሊአን ዘሎ መንግስታዊ ምሕደራ ክዓቢ ዘኽእል ሓድሽ ዝተጸንዐ እማመ ናብ ሚኒስተር ማሕበራዊ ጉዳያት ሽወደን፡ ሌና ሃለንግረን፡ ከምዝተላእከ ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

ኣብ ልዕሊ ወሃብቲ ኣገልግሎት ጥዕና ዝግበር ውሳኔታት ከም ቀደሙ፡ ብምምሕዳራትን ምምሕዳራት ከተማታትን ዝመሓላለፍ እኳ እንተኾነ፡ ሃገራዊ ረብሓታት ኣብ ግምት ዘየእተወ ውሳኔ እንተድኣ ኮይኑ ግን፡ መንግስቲ፡ እቲ ዝተመሓላለፈ ውሳነ፡ ዳግመ ግምት ክገብራሉ ክእዝዘን ወይ ድማ ደው ከብሎ ዘኽእሎ ሕጊ ንኽጸድቅ እዩ እዚ ሓድሽ እማመ ዝሕብር።

ብተወሳኺ ድማ፡ እዘን ወሃብቲ ኣገልግሎት ጥዕና ዝጥቀማሉ ህንጻታትን ኣባይትን፡ ብመንግስቲ ዝመሓደራ ትካላት ዝውንነኦ ንኽኸውን፡ ኣብቲ ሓድሽ እማመ ሰፊሩ ዝርከብ እዩ። እዚ ድማ፡ ምምሕዳራትን ምምሕዳራት ከተማታትን፡ ካብ ሓደጋታት ቁጠባዊ ጸቅጢ ንኽናገፋን፡ ኣብ ጉዳይ ጥዕናዊ ንጥፈታት ጥራይ ኣቶኲረን ከምዝሰርሓ ንምሕጋዝ ተባሂሉ ዝተነድፈ ምዃኑ ነቲ ሓድሽ ዝተጸንዐ እማመ ዘቕረበት፡ ሶፊያ ዎልስትሩም ገሊጻ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com