Tuesday , March 19 2024
priscilla-du-preez-XkKCui44iM0-unsplash.jpg

መወዳእታ መዓልቲ ምምልካት ኮርስታት ዩኒቨርሲቲ ቀውዒ ዩኒቨርሲቲ ኣትዩ።

ኣብ ሽወደን ናይ ቀውዒ ኮርስ ክወስዱ ንዝደልዩ ሎሚ ናይ መወዳእታ መዓልቲ ብምዃና ናይ መመልከቲ ሕቶኦም ቀልጢፎ ከእትዉ ጻውዒት ቀሪቡ።.

ነቲ ኮርስ ንምምልካት ሎሚ ክሳብ ፍርቂ ለይቲ ናይ መወዳእታ ዕድል እዩ። ድሕሪዚ ዝተረፈ ደረጃታት ንምምላእ ገና ግዜ ስለ ዝህሉ ንምምዝጋብ ተቐላጠፉ ክብል ኣብ ቆንስል ላዕለዋይ ትምህርቲ ሮቢን ጆሃንሰን ን ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣመልኪቱ’ሎ። ዝለዓለ ነጥቢ ዝሓቱ ከምኒ ሕጊ፡ መዲሲን፡ ሳይኮሎጂ፡ ሲቪላዊ ምህንድስናን ዝበሉ ኣዝዮም ፍሉጣት ፕሮግራማት ዩኒቨርሲቲ እኳ እንተኾኑ ፡ ናይ ምምህርና ኮርሳት ብቐሊሉ ክርከብ ይከኣል እዩ–ክትብል እታ ሬድዮ ወሲኻ ገሊጻ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com