Sunday , May 19 2024

መወዳእታ መዓልታ 2019 ጸሓይ ዝዓብለሎ ኩነታት ኣየር ከምዝህሉ ተሓቢሩ።

ብመሰረት ትንበያ ክፍሊ ሜትሪሎጂ ሽወደን ኣብዚ መወዳእታ መዓልታት ናይዛ ዓመት ጽሓይ ዝዓብለሎ ኩነታት ኣየር ክህልውን ካብ ባዶ ሴንቲግሬድ ንላዕሊ ዝዓቐኑ ሙቀት ክህሉ ይግመት ። በዚ መሰረት ኣብ ከባቢ ሰሜን ሽወደን ዝሑል ኩነታት ኣየር ከምእውን ማእከላይ ዛሕሊ ዘሎዎ ኣብ ደቢባዊ ክፍለ ሽወደን ኣብ ድሮ ሓድሽ ዓመት ከምዝህሉ እዚ ኣገልግሎት ሜትሮሎጂ ወሲኹ ይሕብር።

ብተወሳኺ ኣብዚ መጽእ ዘሎ ሰሙን ኣብ መላእ ሽወደን ብፍላይ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል በረድ  ኣብ ዝተረፉ ክፋል ድማ ዝናብ ክህሉን መጠነ ዛሕሊ ድማ ልዕሊ ባዶ ከምዝኸውን ይሕበር።

  ኣብዚ ቀዳመ ሰንበት ኣብ ከባቢ ጎቦታት ላፕላንድ (Lapland) በረድ ክህሉን ኣብ ሰሜናውን ሰሜናው ብምራቕ ሽወደን ዝናብ ክህሉ ሙኻኑ እዚ በዓል መዚ ወሲኹ ይገልጽ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com