Monday , May 20 2024

መድቨደቭ፥ “ዩክሬይን ንዓለም ኣይተድልያን እያ፡ ስለዚ ድማ ምሉእ ብምሉእ ክትጠፍእ ጥራይ እዩ ዘለዋ”

ዩክሬይን ንዓለም ኣይተድልያን እያ፡ ስለዚ ድማ ምሉእ ብምሉእ ክትጠፍእ ጥራይ እዩ ዘለዋ፥ ክብል ምክትል ኣቦመንበር “ቆንስል
ጸጥታ ሩስያ” ዲሚትሪ መድቨደብ ብቕድሚ ትማል ሰንበት፥ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣብ ዝለጠፎ ጽሑፍ ገሊጹ። እቲ “ዩክሬይን
ስለምንታይ ካብ ካርታ ዓለም ክትሕከኽ ኣድልዩ? ምኽንያቱ ንማንም ስለ ዘይተድሊ” ዘርእስቱ ጽሑፍ ኣብ ሽዱሽተ ክፋላት
ዝተመቕለ እዩ። ኣብቲ ጽሑፍ መድቨደቭ፥ ሃገረ ዩክሬይን ን ኣውሮጳ፡ ኣመሪካ፡ ኣፍሪቃ፡ ላቲን ኣመሪካ፥ እስያ፡ ሩስያ ይዂን
ንህዝቢ ዩክሬይን ዘይትጠቅም ሃገር እያ ዝብል ሓሳብ ዘርዚሩ ኣቕሪቡ’ሎ።
ብዛዕባ ኣውሮጳ ኣብ ዝጸሓፎ ሓተታ፥ መንእሰያት ዩክሬይን ከም ባልዕ ንኣውሮጳ ከዳቕቕዋ እዮም ይብል። ኣውሮጳውያን ብኣመሪካ
እናተኣዘዙ ነዚ ናዚስታዊ ስርዓት ዝገብርዎ ዘለዉ ደገፍ መወዳእትኡ ሒዝዎም ናብ ገደል ክኣቱ እዩ፡ ድሮኳ ኣብ ልዕሊ ሩስያ
ዝተገብሩ እገዳታት ኣብ ምዕራብን ምብራቕን ኣውሮጳ ገዚፍ ዘይዕጋበት ፈጢሩ’ሎ” ክብል ገሊጹ። ኣመሪካውያን ውሽጣዊ

ሽግራቶም ኣብ ክንዲ ምፍታሕ ኣብ ጨሪሶም ዘይፈልጥዋ ሃገር ክንድዚ ምትእትታው ምፍጻሞም ሳዕቤኑ ውዒሉ ሓዲሩ ክስወጦም
እዩ ክብል ኣጠንቂቑ’ሎ።
“ተራ ኣመሪካውያን ዩክሬይን ኣበይ ከም እትርከብ እውን ኣይፈልጡን እዮም፡ ካርታ ቀሪበ ኣበይ ኣላ ኣርእዩኒ እንተብሎም
ኣይመርእዩንን። ኣመሪካ ኣብ ዩክሬይን እተጥፍኦ ዘላ ኣማኢት ቢልዮናት ዶላራይ ኣብ ኣፍሪቃን ላቲን ኣመሪካን ብዙሓት ናይ
ልምዓት ፕሮግራማት ክምውል ምኸኣለ ኔሩ” ክብል ሓቲቱ።
“ኣብ እስያ ዘለዋ ዓበይቲ ሃገራት፥ ድሕረ ለበዳ ዝበጽሐን ዕንወት ኣብ ምጽጋን እየን ዝርከባ ዘለዋ፥ ስለዚ ድማ ን ዩክሬይን ዕሙት
ደገፍ ብምሃብ ንሩስያ ክንጽላ ድሌት የብለንን” ኢሉ።
ኣብ መወዳእታ መድቨደቭ “ብ ምፍራስ ሕብረት ሶቪዬት ዝተፈጥረ ግጒይ ርድኢት ኣሎ፡ ኣብ ናዚስታዊት ዩክሬይን ዝርከቡ
ሚልዮናት ሩስያውያን ጭቆና ክበጽሖም ጸኒሑ እዩ። ዩክሬይን እትበሃል ሃገር ደምሲስና፥ ዓባይ ሩስያ ክንሃንጽ ኢና” ክብል ጽሑፉ
ደምዲሙ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com