Saturday , May 18 2024

መጠንቀቕታ ካብ መደበር ኩነታት ኣየር (ሜትሮሎጂ)፡ ሙቐት ዝዓብለሎ ኩነታት ኣየር ክህሉ እዩ

መደበር ኩነታት ኣየር ሽወደን፡ “ብጣዕሚ ልዑል ዝኾነ መጠን ሙቐት” ክህሉ እዩ ክብል ቀዳማይ ደረጃ መጠንቀቕታ ከምዘመሓላለፈ TT ሓቢሩ።

ኣብ ምብራቕ ስቪያላንድ፡ ደቡባዊ ምብራቕ ኖርላንድን ሰሜናዊ ክፋል ምምሕዳር ኦስተርዮላንድን ካብ ጽባሕ ረቡዕ ጀሚሩ ክሳብ መወዳእታ ናይዚ ሰሙን ልዑል ሙቐት ክህሉ ከምዝኽእል የጠንቅቕ።

ቀዳማይ ደረጃ መጠንቀቕታ ማለት መጠን ሙቐት ንተኸታተልቲ ሰለስተ መዓልታት ልዕሊ 300c ክኸውን ከምዝኽእልን ኣብ ልዕሊ ንሓደጋ ቅሉዓት ዝኾኑ ሰባት ድማ ጥዕናዊ ጸገማት ከስዕበሎም ተኽእሎ ከምዘሎ ዘጠንቅቕ እዩ።

ኣብ ገለ ከባቢታት፡ መጠን ሙቐት ክሳብ 340c ክበጽሕ ከምዝኽእል ግምታት ኣለና። ናብ ካልኣይ ደረጃ መጠንቀቕታ ግን ኣይክንሰግርን ኢና ክትብል ክኢላ ኩነታት ኣየር፡ ሻርሎት ኤሪክሰን፡ ሓቢራ።

መጠን ሙቐት ንተኽታታሊ ሓሙሽተ መዓልታት 300c ወይ ድማ ንተኸታተልቲ ሰለስተ መዓልታት 330c እንተኾይኑ እቲ መጠንቀቕታ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ክብ ክብል ከምዝኽእል ብተወሳኺ ገሊጻ።

ክሳብ መወዳእታ ናይዚ ሰሙን፡ መጠን ሙቐት ልዑል ክኸውን ከምዝኽእልን ኣብ ዝቕጽል ሰሙን ግን ዝናብ ዝዓብለሎ ኩነታት ኣየር ከጓንፈና ከም ዝኽእልን መጠን ሙቐት ድማ ክሳብ 200c ክኸውን ከምዝኽእል ትምቢታት ኣሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com