Saturday , May 18 2024

መጠን ሃለኽቲ ንብረት ምምሕያሽ የርኢ

መጠን ናይ ገዛ ሃለኽቲ ንብረት፡ ካብቲ ብሰንኪ ቅልውላው ኮሮና ኣጋጢምዎ ዝጸንሐ ዕንቅፋት፡ ምምሕያሽ ከርኢ ከምዝጀመረ ተፈሊጡ። ኣብ ወርሒ ግንቦት ብ 9.2% ኣንቆልቂሉ ዝጸንሐ፡ ኣብ ወርሒ ሰነ ቅሩብ ምምሕያሽ ብምርኣይ ናብ 6.6% ደይቡ። መጻኢ ናይተን ኣብ ጽላት ምእንጋድ ዝነጥፋ ትካላት ግን ጸልማት ከምዘሎን ኣብ ወርሒ ሰነ ጥራይ፡ ልዕሊ ርብዒ ካብ መጠን ሃልክታት ከምዝኸሰራን ምስ ወርሒ ሰነ/2019 ብምንጽጻር ጸብጻባት ትካል ስታትስቲክስ ሽወደን (SCB) ገሊጹ።
ኣብ ወርሒ ሰነ፡ መጠን ሃልኪ፡ ብ2.9% ከምዝወሰኸ መባእታዊ ጸብጻባት ስታትስቲክስ ሽወደን ምስ ናይ ወርሒ ግንቦት ብምንጽጻር ሓቢሩ። ምስ ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ክነጻጸር እንከሎ ግን ብ 5.8% ከምዘንቆልቆለ ተፈሊጡ።
ኣብ ጽላታት ቤት መግቢ፡ ካፈተርያታትን ሆቴላትን ግን እቲ መጠን ቀዋሚ ዋጋታት ሃለኽቲ፡ ምስ ናይ ዓሚ ክነጻጸር እንከሎ ብ 26.3% ከምዘንቆልቀለ ትካል ስታትስቲክስ ሽወደን ገሊጹ።
መጠን ቀዋሚ ዋጋታት ብንጽል ዝሽየጡ ሃልኽቲ ግን በንጻሩ ብ2.5% ምውሳኹ ተፈሊጡ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com