Friday , May 17 2024

መጠን መልከፍቲ ኮሮና፡ ኣብ ናይጀርያ፡ ዝለዓለ ምዃኑ ተገሊጹ

ብመሰረት ዳህሳስ ኣንቲቦዲስ ኮቪድ -19፡ ኣብ ሌጎስ ጥራይ 4 ሚልዮን ሰባት በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ከም ዘለዉን እዚ ኣሃዝ ካብ ጠቕላላ ቊጽሪ ልኹፋት ኣህጒር ኣፍሪቃ እቲ ዝዓበየ ምዃኑ ተገሊጹ። ክሳብ ሕጂ ኣብ ናይጀርያ፡ ብቫይረስ ኮሮና 153 ሽሕ ዝተለኽፉን ካልኦት 1862 ድማ ከም ዝሞቱን እዩ ክግለጽ ጸኒሑ። እዚ መጽናዕቲ ኣብ ኣርባዕተ ምምሕዳራት ናይጀርያ፡ ኣብ ልዕሊ 10 ሽሕ ሰባት እዩ ተኻዪዱ። ኣብዛ ብብዝሒ ህዝቢ ካብ ኣፍሪቃ ቀዳመይቲ ዝኾነት ሃገር ዘሎ መጠን መልከፍቲ ንምፍላጥ ዝዓለመ መጽናዕቲ ምዃኑ ድማ ተመልኪቱ። እዚ ኣብ ወርሒ መስከረምን ጥቅምቲን ብ ማእከል ምቊጽጻር ሕማማት ናይጀርያ ዝተኻየደ መርመራ መጠን ኣብ ኣካላት ወዲ ሰብ ዝርከብ ሴሮ ዝተባህለ ጸረ ኣካል ብምምርማር እዩ መልከፍቲ ዘረጋግጽ። ኣብ ፈለማ ማዕበል እቲ ለበዳ መጠን መልከፍቲ ትሕት ዝበለ ክኸውን እዩ ዝብል ግምታት እኳ እንተነበረ፡ ኣብ ወርሒ ጥሪ 2021 ግን እቲ ኣሃዝ ኣዝዩ ብምዕባይ ኣብዚ ካልኣይ ማዕበል ኣዝዮም ብዙሓት ከም እተለኽፉ ተረጋጊጹ ክብል ጸብጻብ ቢቢሲ ኣመልኪቱ። ብመሰረት እዞም ጸብጻባት፡ ሓደ ሕምሲት ካብቶም ዝተመርመሩ ሰባት በዚ ቫይረስ ከም እተለኽፉ ተረጋጊጹ’ሎ። ዝበዝሐ መልከፍቲ ድማ ኣብ ገጠር ካብ ጾታ ድማ ደቀንስትዮ ምዃነን ዘመልከተ እቲ ጽበጻብ፡ 186 ሚልዮን ህዝቢ ናይጀርያ፡ ኣብ ከቢድ ሓደጋ መልከፍቲ ይርከቡ ኣለዉ ክብል ንትካል ንምቊጽጻር ሕማማት እታ ሃገር ብምጥቃስ ሓቢሩ። ካብ 80% ክሳብ 90% ህዝቢ እዘን ኣርባዕተ ምምሕዳራት ናይጀርያ፡ ነዚ ቫይረስ ዝተቓልዓ ብምዃነን፡ ነቲ ክንጅምሮ እንዳለወሉ ዘሎና ክትባት ኣዝዩ ኣገዳሲ ጌርዎ’ሎ ክብል ዳይረክተር ጀነራል እቲ ትካል ዶክተር ቺክዌ ኢህክዋዙ ገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com