Friday , May 17 2024

መጠን ብዝሒ ድኻታት፡ ኣብ ሽወደን፡ ናብ ዝተሓተ ደረጅኡ በጺሑ

ኣብ ዓመተ 2019፡ መጠን ብዝሒ፡ ትሑት ቁጠባዊ ዓቕሚ ዘለዎም ሽወደናውያን (ድኻታት)፡ ናብ ዝተሓተ ደረጅኡ ምብጽሑ ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

 ጸብጻባት ቤት ጽሕፈት ቆጸራ ህዝቢ (SCB) ከምዝሕብሮ፡ ልዕሊ 15% ካብ ተቐማጦ ሽወደን፡ ኣብ ድኽነት ከምዝነብሩ ገሊጹ።

እቲ ጸብጻብ ከምዝሕብሮ፡ እተን ቀንዲ ብድኽነት ዝሳቐያ፡ እተን ንበይነን ዝነብራ፡ ልዕሊ 80 ዓመት ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ኮይነን እቲ መጠን፡ ክሳብ 41% ናይዘን ደቂኣንስትዮ ምዃኑ ክግለጽ እንከሎ፡ እቶም ኣብ ክሊ ዕድመ 0 ክሳብ 19 ዘለዉ ህጻናት ድማ 20% ካብዚኣቶም ብድኽነት ዝሳቐዩ እዮም።

ኣብ መንጎ ሰባት ዝተራእየ ፍልልይ መጠን እቶት፡ ኣብ ዓመተ 2019፡ ብውሑድ ዓቐን ክውስኽ እንከሎ፡ ካብቲ ካብ ዓመተ 2015 – 2017 ዝነበረ ፍልልይ ግን ዝተሓተ ምዃኑ እቲ ጸብጻብ ገሊጹ።

ኣብ ትሑት ቁጠባዊ ዓቕሚ ዘለዎም ሰባት፡ ማለት፡ መነባብሮኦም ካብቲ ማእከላይ ገምጋም ቁጠባዊ ዓቕሚ መነባብሮ ብ60% ዝተሓተ ምስ ዝኸውን እዩ ክብል ቤት ጽሕፈት ቆጸራ ህዝቢ ገሊጹ።  


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com