Friday , May 17 2024
(AP Photo / Daniel Roland, File)

መጠን ገንዘባዊ ዝቕባበ ሃገረ ጀርመን፡ ካብ ትጽቢት ንላዕሊ ኮይኑ

 

መጠን ገንዘባዊ ዝቕባበ ሃገረ ጀርመን፡ ካብ ትጽቢት ብዙሓት ንላዕሊ ብምውሳኹ፡ ኣብ ወርሒ ግንቦት፡ 2.5% ምብጽሑ፡ በዓል መዚ ስታትስቲክስ ጀርመን፡ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

ክኢላታት ቁጠባ፡ ንመጠን ዝቕባበ፡ ክሳብ 2.3% ክበጽሕ ከምዝኽእል ገምጋማቶም ገሊጾም ምንባሮም ይዝከር።

ይኹን እምበር፡ ኣብ ወርሒ ግንቦት፡ ኣብ ጀርመን ዘለዉ ናይ ኣህለኽቲ ዋጋታት፡ ካብ ትጽቢት ወጻኢ ብዝኾነ መንገዲ ብ 0.5% ምውሳኾም ተፈሊጡ ኣሎ።

ዓመታዊ ገምጋም መጠን ገንዘባዊ ዝቕባበ ሃገረ ጀርመን፡ 2.4% ክኸውን እንከሎ፡ ወርሓዊ መጠን ዝቕባበ ድማ 0.3% ክኸውን ትጽቢት ክኢላታት ቁጠባ ምንባሩ ገሊጾም።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com