Friday , May 17 2024

መጠን ገንዘባዊ ዝቕባበ ሃገራት ኖርዲክ ልዒሉ ተባሂሉ

መጠን ገንዘባዊ ዝቕባበ ኣብ ሃገራት ኖርዲክ፡ እናወሰኸ ይኸይድ ምህላዉ ጸብጻባት ሓቢሮም ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

ኣብ ሃገረ ዴኒማርክ፡ ካብ ታሕሳስ 2012 ንደሓር፡ ንፈለማ ግዜ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት፡ ዝለዓለ መጠን ዝቕባበ ኣመዝጊቡ። ወላ’ ኳ መጠን ሽያጥ ብ 1.7% እንተወሰኸ፡ መጠን ገንዘባዊ ዝቕባበ ግን ብ0.2% ከምዝወሰኸ ጸብጻባት ሓቢሮም።

ኣብ ሃገረ ኖርወይ ውን መጠን ገንዘባዊ ዝቕባበ እታ ሃገር ክሳብ 2.7% ምብጽሑ’ኳ እንተተፈልጠ፡ ዋጋታት ግን ብ 0.1% ምጉዳሉ ጸብጻባት ይሕብሩ።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com