Friday , May 17 2024

መጣበቒ (super glue)፡ ብጌጋ ከም ፈውሲ ዓይኒ ተጠቂሞምሉ

ሓደ ብሰብ ተኣላይ ዝኾነ ሕሙም፡ ፈውሲ ዓይኒ ንኽገብር፡ ንኣላይኡ ምስ ሓተተ፡ እቲ ኣላይ፡ ካብቲ ተመዛዚ ብጌጋ መጣበቒ (ኮላ) ኣውጺኡ ኣብ ዓይኒ እቲ ሕሙም ከምዘንጠበ ጋዜጣ ስሞላንድ ፖስተን ኣብ ዓምድታቱ ኣስፊሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

እዚ ሓደጋ፡ ኣብ ስሞላንድ (Småland) እትርከብ ቲንግስሪድ (Tingsryd) ዝተባህለ ቦታ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዘጋጠመ እዩ ነይሩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ እቲ ተኣላይ ሕሙም፡ ነቲ ዘጋጠሞ ጉድኣትን ቃንዛን ካሕሳ ዝኸውን 10 ሽሕ ክሮነ ከምዝተቐበል፡ እቲ ጋዜጣ፡ ሓቢሩ።

ኣብቲ ሽዑ እዋን፡ ኣብ ዓይነይ እቲ መጣበቒ ድሕሪ ምንጣቡ፡ ዓይነይ ከቃጽለኒ ስለዝጀመረ፡ ነቲ ኣላይ ጸዊዐዮ፡ ሽዑ ዓይነይ ሓጺቡለይ ክብል እቲ ተኣላይ ዝኾነ ሕሙም ሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com