Friday , May 17 2024

መጥቃዕቲ ሃከር ንምሕዋይ ሳምንታት ክወስድ ይኽእል እዩ ተባሂሉ

Credit: Johan Nilsson/TT

ኣብ ፊንላንድ ዝመደበሩ ኩባንያ ቴክኖሎጂ ቲቶቭሪ፡ ድሕሪ’ቲ ኣብ ሽወደን ኣብ ዝርከብ ማእከል ኣገልግሎት ዳታ ብሃከራት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ​​ነገራት ናብ ንቡር ንምምላስ ሰሙናት ክወስድ ከምዝኽእል ገሊጹ። ኣብ ሽወደን ዓማዊል ናይቲ ኣብ ክላውድ፣ ዳታን ኣገልግሎት ሶፍትዌርን ትካል ዝኾና ብርክት ዝበላ ትካላት ንግድ፣ ሰብመዚን ካልኦትን በቲ መጥቃዕቲ ከምዝተሃስዩ ተፈሊጡ’ሎ። እዚ መጥቃዕቲ ብጉጅለ ሃከር ኣኪራ ከምዝተፈጸመ እዩ ዝንገር። ኣብ ሽወደን ዝበዝሓ ዩኒቨርሲቲታትን ልዕሊ 30 መንግስታዊ ሰብመዚን ዝግልገልሉ ስርዓተ ደሞዝን መዝገብ ሰራሕተኛታትን ዝስራሓሉ “ፕሪሙላ” ከቢድ ሃስያ ከም ዝወረዶ ኣገልግሎት ተሌቪዥን ሽወደን ጸብጺባ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com