Sunday , May 19 2024
Good for memory. Foto: Gorm Kallestad / NTB scanpix / TT / kod 20520

መጽናዕቲ . . . ፍረታትን ኣሕምልትን ንምዝካር ከምዝሕግዙ ተሓቢሩ

ሓንቲ ሜሌ ንመዓልቲ ንጥዕና ጽቡቕ እዩ ዝብል ዝነበረ ኣበሃህላ፡ ኣብ ቦትኡ እንከሎ፡ ፍረታትን ኣሕምልትን፡ ንናይ ምዝካር ዓቕሚ ሓገዝቲ ኮይኖም ከምዝተረኽቡ ሓደ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ሓቢሩ ክብል ጸብጻብ ሬድዮ ሳይነስ ሓቢሩ ክብ ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

ዕድመ እናወሰኽና ኣብ ነኸደሉ እዋን፡ እቲ ጽልዋ እናጎለሐ እዩ ዝኸይድ። እቲ ዝያዳ ኣገዳሲ ኮይኑ ዝተረኽበ፡ እቶም ኣብ ንእስነቶም እንከለዉ፡ ፍረታትን ኣሕምልትን ክምገቡ ዝጀመሩ ሰባት፡ ዝሓሸ ኩነታት ጥዕና ዘለዎምን ናይ ምዝካር ዓቕሞም ዝሓሸ ከምዝኾነን ኣብ ኮሌጅ ካሮሊንስካ፡ ፕሮፌሶር ኒውሮጀሪቲክስ ዝኾነት፡  ማርያ ኣንካርክሮን፡ ገሊጻ።

ኣሜሪካውያን ተመራመርቲ፡ ዕድሚኦም ልዕሊ 50 ዓመት ዝኾኑ 50 ሽሕ ደቂ ኣንስትዮን 30 ሽሕ ደቂ ተባዕትዮን ንልዕሊ 20 ዓመታት መጽናዕቲ ከካይድሎም ጸኒሖም። ኣብቲ ዳህሳስ፡ እቶም ተሳተፍቲ እቲ መጽናዕቲ፡ ብዛዕባ ኣገባብ ኣመጋግበኦምን ናይ ምዝካር ዓቕሞምን ብዝምልከት ንዝቐረበሎም ሕቶታት፡ ከም ዝምልሱ ተገይሮም ኣለዉ።

ብመሰረት እቲ መጽናዕቲ፡ እቶም መዓልታዊ ፍረታትን ኣሕምልትን ዝምገቡ ሰባት፡ ካብቶም ዘይምገቡ ሰባት፡ ብ20% ዝተሓተ፡ ናይ ምሕሳብ ጸገማት ከምዘጋጥሞም ሓቢሩ። እቲ ቀንዲ ምንጪ ናይዚ ድማ እቲ ፍላቮኖይድስ (flavonoids) ዝተባህለ ኣብ ሜሌታት፡ ኣራንሺ፡ ስትሮቤሪ፡ ብሉቤሪ፡ ሰለሪን ጉዕበርበረን ዝርከብ ባእታ ምዃኑ፡ ጸብጻባት ናይቲ መጽናዕቲ ገሊጾም።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com