Sunday , May 19 2024

ሙቐት ዝዓብለሎ ኩነታት ኣየር ን ዝያዳ መዓልታት ክቕጽል ብሙዃኑ ዝይዳ ጥንቃቐ ከምዘድሊ ተሓቢሩ!!

ኣብ ሽወደን ማዕበል ሙቐት ንዝያዳ መዓልታት ክቕጽልን ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ተኽእሎ ባርዕ ክኽሰት ዝለስኽእል ዝይዳ ጥንቃቐ ክግበር ኣገልግሎት ሜትሮሎጂ ሽወደን የተሓሳስብ። ኣገልግሎት ሜትሮሎጂ ሽወደን ኣብ ብዙሓት ምምሕዳራት ሽወደን ን ዝቕጽላ መዓልታት ሃሩር ክህሉ እዩ ክብል ተነብዩ’ሎ።

ኣብ ሃርየዳለን (Härjedalen) እትርከብ ልዩስነዳል (Ljusnedal) ሙቐት ክሳብ 29.4 ዲግሪ ሸልሰስ ምብጽሑ፡ እዚ ድማ ኣብ ዝሓለፋ 93 ዓመታት ተመዝጊቡ ዘይፈልጥ መጠን ሙቐት እዩ ክብል ኣመልኪቱ’ሎ። ሶፍያ ሶደርበርግ እዚ መጠን ሙቐት ንዝቕጽላ 30 መዓልታትን ዝያዳኡን ክህሉ ይኽእል እዩ ኢሉ’ሎ። በዚ ድማ ቈልዑ፡ ሽምግለታትን ዘድሊ ጥንቃቐታት ክገብሩ ኣረሓሳሲቡ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com