Saturday , May 18 2024

ሙቐት ዝዓብለሎ ክሊማ፡ ናብ ሽወደን ገጹ ይምርሽ ኣሎ ተባሂሉ

ኣብ መብዛሕታኡ ክፋላት ሽወደን፡ ድሕሪ ናይ ሳምንታት ዝናብን ዝሑል ኩነታት ኣየርን፡ ካብ ምጅማር ናይዚ ሰሙን ኣትሒዙ ሙቐት ዝዓብለሎ ኩነታት ኣየር ብዘገምታ ይምለስ ምህላዉን ክሳብ 300c  ክበጽሕ ከም ዝኽእልን ተሓቢሩ።

ክኢላ ኩነታት ኣየር መርበብ ሓበሬታ SVT ዝኾነት ጆሰፊን በሪስቴድት፡ ኩነታት ኣየር ሽወደን ካብ ኣውሮጳ ብዝመጽእ ማዕበል ሙቐት ክጽሎ ምዃኑን ንብዝሕ ዝበለ መዓልታት ከም ዝቕጽል ድማ ገሊጻ።

ኣብ ዝመጽእ ረቡዕ፡ ሙቐት ብርኡይ መጠን ክውስኽ ምዃኑን ቀዳም ድማ ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ ክበጽሕ ከምዝኽእል ብምሕባር፡ መጠን ሙቐት ካብ 250c ክሳብ 300c ክኸውን ከምዝኽእል ገምጊማ ኣላ። እዚ መጠን ሙቐት ንምሕንባስ ኣዝዩ ምቹእ ክኸውን እዩ ድማ ተባሂሉ።

ኣብ ዝሓለፋ ሒደት መዓልታት፡ ብዙሓት ሃገራት ኣውሮፓ ክሳብ 400c ዝበጽሕ መጠን ሙቐት ምምዝጋበን ይዝከር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com