Sunday , May 19 2024

ሚኒስተር ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ሽወደን ንተማሃሮ ላዕለዋይ ደረጃ ብትሪ ትነቅፍ

 ሚኒስተር ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ሽወደን፡ ማቲልዳ ኢርንክራንስ፡ ነቲ ኣብ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ኣበርክቶ ከምዝነበሮ ዝንገረሉ፡ ብተማሃሮ ላዕለዋይ ደረጃ ዝተኻየደ ጽምብል፡ ብትሪ ከምዝነቐፈቶን፡ ዘይሓላፍነታዊ ኢላ ከምዝሰመየቶን መርበብ ሓበሬታ ተተ (TT) ኣቃሊሑ።

ኢርንክራንስ፡ ነቶም ኣብ መላእ ሽወደን ዝርከቡ ኣስታት 400 ሽሕ ናይ ላዕለዋይ ደረጃ ተማሃሮ ኣብ ዘመሓላለፈቶ መልእኽቲ፡ ብቑጽሪ ብዙሓት ዝኾኑ ተማሃሮ፡ ዘይሓላፍነታውያን እዮም ድሕሪ ምባላ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን፡ ስነ ስርዓት ብምግባር፡ ሓላፍነት ክስከሙ ይግባእ ኢላ። ኮለጃትን ዩኒቨርሳትን መአከቢ ኮሮና ክኾና ኣይግባእን ኢላ።

ብኻልእ ወገን፡ ነቶም ሓላፍነት ናይ ነብሶምን ናይ ካልኦትን ተሰኪሞም ኣብ ምግታእ ለበዳ ኮሮና ዝተሳተፉ ተማሃሮ፡ ኢርንክራንስ፡ ምስጋና ኣመሓላሊፋ።  

ሓላፊ በዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን፡ ዮሃን ካልሶን ብወገኑ፡ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ኣብ ምግታእ ንዝግበር ጻዕሪ ኣመልኪቱ፡ ተማሃሮ ላዕለዋይ ደረጃ፡ ዓቢ ሓላፍነት ክስከሙ ከምዘለዎም ኣዘኻኺሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com