Sunday , May 19 2024

ሚኒስተር ኢሚግሬሽን፡ ትሑት ሞያዊ ዓቕሚ ዘለዎም ወጻእትኛታት ሰራሕተኛታት ምቕባል ከነውሕድ ኢና

መንግስቲ ሽወደን፡ ነቶም ካብ ወጻኢ ሃገራት ናብ ሽወደን ብምምጻእ ብመልክዕ ስደተኛታት ይኹን ናይ ስራሕ መንበሪ ንዝሓቱ ሰባት፡ ልዑል ዓቕምን ሞያን ክህሉዎም ጥራይ ዝጠልብ ሕጊ ክህሉ ከምዝደልይ ኣፍሊጡ።

ብመሰረት ሕጊ ሽወደን፡ ዝኾነ ዋሃቢ ስራሕ፡ ሞያን ክእለትን ብዘየገድስ ብምኽንያት ስራሕ ሰባት ብምምጻእ መንበሪ ፍቓድን ስራሕን ብምድላዉ ሰባት ካብ ደገ ከምጽኡ ዝኽእልሉ ሕጊ ከምዝጸንሐን፡ ሕጂ ግን እዚ ሕጊ ልዑል ምህሮን ሞያን ንዘሎዎም ሞያተኛታት ጥራይ ክኽዉን ብመሰረት መንግስቲ ዘሎዎ ድሌት፣ ነቲ ሕጊ ንምቕያሩ መስርሕ ከምዝተጀመረ ሚኒስተር ፍትሒ ሽወደን ሓቢሩ።

ዋላ እኳ መሻርኽቲ መንግስቲ ዝኾና ሰልፍታት ኣብቲ ጉዳይ ፍልልይ እንተሃለወን፡ ምስ መንግስቲ ቀጻሊ ዘተ ይገብራሉ ምህላወን ይንገር።

እቲ ተሓሲቡ ዘሎ ምቕያር ሕጊ፡ መዓስን ብኸመይ ኣገባብ ከምዝኸውን ኣብ ቀረባ ግዜ ክዉሰን ትጽቢት ይግበር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com