Friday , May 17 2024

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጒዳያት፥ ናይ ሕጂ ቀዳምነታትና ህዝቢ ምድሓን ሙዃኑ ይገልጽ።

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጒዳያት፥ ሕጂ ቀዳምነታትና ህዝቢ ምድሓን እዩ፥ ድሕሪኡ ምድሓን ቊጠባ ብምግባር ይሰርሓሉ ከምዘሎ ገሊጹ። ሚኒስተረ ውሽጣዊ ጒዳያት ሚካኤል ዳምፐሪ ቀዳምነት መንግስቲ ሽወደን ብቫይረስ ኮሮና ዝመውት ሰብ ንኸይህሉ ምስራሕን ህይወት ህዝቢ ምድሓንን ምዃኑ ገሊጹ። ” ኣብ ኣዝዩ ኣሰካፊ ኲነታት ኢና ዘሎና” ዝበለ ዳምፐሪ”ዝኸፍአ ክመጽእ ይኽእል እዩ ኢልና ኢና ተዳሊና ዘሎና” ብምባል ንተሌቪዥን ሽወደን ገሊጹ።

ካብ ቊጠባ ሃገርን ምድሓን ህይወትን ኣየናይ ቀዳምነፍ ከም ዝሕዝ ኣብ ዝቐረበሉ ሕቶ” ቀዳምነትና ህይወት ህዝቢ ምድሓን እዩ። ሰደዳትና 70% ናብ ኣውሮጳ እዩ ዝኸይድ፥ ስለዚ ድማ ኣብ ሃገራት ኣውሮጳ ዘሎ ኲነታት ጥዕና ንቚጠባና ምህሳዩ ዘይተርፍ እዩ። “ስለዚ ድማዩ ቅልጡፍ ስጉኦምቲ ምውሳድ ዝጽበየና ዘሎ” ክብል ድማ ኣብሪሁ። ሃገራት ዶበን ብምዕጻወን ካብን፡ናብን ምዝውዋር ናውቲ ሕክምና ክድስክል፡ምኽኣሉን” እዚ ነዚ ቅልውላው ኣብ ምዕጋት ኣብ ዝግበር ቃልሲ ሓደገኛ ሳዕቤን ዝህልዎ እዩ” ኢሉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com