Saturday , May 18 2024

ሚኒስተር ዕዮ፡ ሽቕለት ኣልቦነት ኣብ ኣተሓሳሳቢ ኩነታት ኣሎ ይብል።

ሚኒስተር ዕዮ፡ ኢቫ ኖርድማርክ፡ ሽወደን፡ ኣዝዩ ሕማቕ ኩነታት ከጋጥማ እዮ ክትብል ምጥቃሳ ኣገልግሎት ዜና TT ሓቢሩ።

መጠን ሽቕለት ኣልቦነት ናብ 9.8% ምዕባዩን ብፍላይ ኣብ መንእሰያት፡ እቲ መጠን ናብ 30% ይገማገም ኣሎ ተባሂሉ። ብመሰረት ኖርድማርክ፡ እቲ ኣሃዝ ክውስኽ ከም ዝኽእል ይግመት። ካብ ማእከል ስታቲስቲክስ ሽወደን እተረኽበ ሓበሬታ ከም ዘመልክቶ ኣብ ወርሓ ሰነ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ሰባት ብዘይ ስራሕ ክተርፉ ክኢሎም ኣለዉ።

እዚ ኩነታት ኣዝዩ ሓደገኛ ምዃኑን ዕዳጋ ሽቕለት ብፍጥነትን ንምግምጋም ብዘሸግርን ኣገባብ ይቅርያየር ምህላዉ ድማ ተገሊጹ።

ንሳ ንኣገልግሎት ዜና ሽወደን ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ ንውሓትን ጥልቀትን እዚ ኩነታት ንምግምጋም እቲ ግዜ ገና እኳ እንተኾነ ሽቕለት ኣልቦነት ክውስኽ ምዃኑ ግሉጽ እዩ። ዝፋነዉ ሰባት እናበዝሑ ምምጽኦምን እንተኾነ መንግስቲ ዝወሰዶ ናይ ሓጺር እዋን ናይ ስራሕ ሰዓታት ነዚ ቅልውላው ኣብ ምድሓን  ጽልዋ ከም ዘሕደረ ተመልኪቱ።

ብዘይካዚ ምምሕዳራት ከተማ ኣብ ምፍጣር ዕድላት ስራሕ እዚ ሒዝናዮ ዘሎና ጽድያ ንኸዋፍራ ዘኽእል ናይ 100 ሚልዮን ክሮና ሓገዝ ከም እተገብረለን ተፈሊጡ።

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ኢዛቤላ ሎቪን፡ መንግስቲ፡  ቅልውላው ኮሮና ዘስዓቦ ቁጠባዊ ሃስያታት ንምምካት ኣገደስቲ ስጉምታት ክወስድ ምጽንሑ ይዝከር። ንግዜያዊ ካብ ስራሕ ዝተፋነዉ፡ ሰዓታት ስራሕ ምጉዳል፡ ክፍሊት ገዛ ክራይን ኩሎም ምስ ናይ ሕማም ዝተሓሓዙ ወጻኢታት ምሽፋን ዝኣመሰሉ ናይ ሓገዝ ስጉምታት ከም ኣብነት ክጥቀሱ ዝኽእሉ እዮም። ከም ኣካል እዚ ቃልሲ፡ መንግስቲ፡ ብመንገዲ ትምህርታዊ ጎድንታት፡ ዕዳጋታት ስራሕ ንምድንፋዕ ብዝተፈላለዩ ኣገባባት ይሰርሕ ምህላዉ ኣብ መወዳእታ ገሊጻ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com