Saturday , May 18 2024
Foto: Niklas Svahn / TT / kod 10510

ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ፡ “ን ኲርዳዊ ውድብ PKK ዝውክል የለን”።

ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ ሽወደን፡ ነቲ ሓሙሽተ ፖለቲከኛታት ሽወደን ን ሰልፊ ሰራሕተኛታት ቱርኪ (PKK) ይውክላ እየን፡ ዝብል ብ ጋዜጣ ቱርክ ንዝወጸ ጸብጻብ መልሲ ሂብሉ’ሎ። ሰልፊ ሰራሕተኛታት ቱርኪ (PKK)፡ ብ ቱርክን ኣውሮጳዊ ሕብረትን “ግብረሽበራዊ” እተሰየመ ወተሃደራዊ ውድብ ምዃኑ ዝፍለጥ እዩ። ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ ሽወደን ኣን ሊንድ፡ ነዚ ኣመልኪታ ኣብ ትዊተር ኣብ ጸሓፈቶ መልእኽቲ፡ እዚ ክሲ ቱርክ መሰረት ዘይብሉን ዘይቅኑዕን ሓበሬታ እዩ ክትብል ኣዋዲቓቶ’ላ። ቱርክ፡ ሽወደን ምስ ሰልፊ ሰራሕተኛታት ቱርኪ (PKK) ርክብ ኣለዋ ብምባል፡ ን ሕቶ ኣባልነት ሽወደን ናብ ኔቶ ክትቃወም ምጽንሓ ዝፍለጥ እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com