Monday , May 20 2024
Foto: Fredrik Sandberg / TT / kod 10080

ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ ሽወደን ጸብጻብ ሃገራዊ ድሕነት ብቐልጠፈ ክውዳእ ሓቲታ።

ጸብጻብ ህሉው ኲነታት ሃገራዊ ድሕነት ሽወደን ካብቲ ኣቐዲሙ ተሓሲብሉ ዝነበረ ናይ ግዜ ገደብ ብዝቐልጠፈ ንኽውዳእ ከም እትደሊ ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ ሽወደን ኣን ሊንደ ገሊጻ።

እቲ ጸብጻብ ብወኪላት ኲሎም ሰልፊታት ባይቶ ሽወደን ዝካየድ ኮይኑ ጒዳይ ተኽእሎ ኣባልነት NATO እውን ከጠቓልል እዩ። እዚ ጸብጻብ ኣቐዲሙ ክሳብ መወዳእታ ወርሒ ግንቦት ክውዳእ እዩ ተባሂሉ እኳ እንተነበረ ኣን ሊንደ ግና ክሳብ 13 ግንቦት ክዛዘም ድሌት ከም ዘለዋ ሬድዮ ሽወደን ኣመልኪታ’ላ። ተቓዋሚ ሰልፊ ዓቃባዊ ማእከላይ እውን እዚ መስርሕ ክቀላጠፍ ከም ዝደሊ ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com