Monday , May 20 2024
Foto: Andreas Hillergren / TT kod 10600

ሚኒስተር ፍትሒ፡ “እዚ ናዕቢ ኣዝዩ ዘሻቕል እዩ”

ኣብ ብርክት ዝበላ ከተማታት ሸወደን ኣብ ቀዳመ ሰንበት፡ ዋዜማ ፋስጋ ድሕሪ እተባርዐ ጎነጻዊ ናዕቢ ገለ ተቓወምቲ ሰልፊታት ሽወደን ሚኒስተር ፍትሒ ሞርጋን ጆሃንሰን ስልጣኑ ክሓድግ ይጽውዓ ምህላወን ተፈሊጡ። ሚኒስተር ፍትሒ እዚ ናዕቢ ኣዝዩ አሻቕሊ እዩ ድሕሪ ምባል ሽወደን ሓይሊ ፖሊስ ንምስፋሕ ሕጂ እትገብሮ ዘላ ጻዕሪ ቅድሚ 20 ወይ 25 ዓመታት ክዕመም ዝነበሮ እዩ ክብል ብትሪ ነቒፉ’ሎ።፡ እዚ እናኾነ ምምሕዳራት ከታማታት ሊንሾፒን ከምኡውን ናርሾፒን ናብ ፖሊስ ከባቢ ኣብ ዝጸሓፍዎ መልእክቲ ዜግነት ሽወደን ዘለዎ ዴንማርካዊ ፖለቲከኛ ራሙስ ፓሉዳን ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ከይገብር ፍቓድ ክኽልክላ ሓቲቶም ኣለዉ–ክትብል ሬድዮ ሽወደን ንጋዜጣ ኤክስፕረሰን ብምጥቃስ ጸብጺባ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com