Saturday , May 18 2024

ማላዊ፡ ዕንባባታት ብባጤራ’ታ ሃገር ንዝጠቕለሉ ዜጋታት ኣሲራ።

ፖሊስ ማላዊ ኣብ መዓልቲ ፍቚራት ዕታር ዕንባባታት ብገንዘብ ንዝጠቕለሉ ዜጋታታ ኣሲራ። ስእሊ ናይቶም ብ 2000 ክዋቻ (ባጤራ እታ ሃገር–2.60$) ዝተጠቕለሉ ዕታራት ዕንባባታት ኣብ ዋሳፕ ብዙሓት ሰባት ከም ዝተቐባበሉሎም ቢቢሲ ሓቢሩ። በዓልመዚ መርመራ ማእከላይ ባንክ ማላዊ፡ ኢማኑኤል ማላሳ፡ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኮነ ኢልካ ገንዘብ ንምርኻስ መጠቕለል ዕንባባ ዝገበሩ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ንምእታው መርመራ ኣካዪድና ኢና ኢሉ። ባንክ እታ ሃገር ኣቐድም ኣቢሉ ዝኣረጉ ኣቕራሽ ምቕያር ከም ዝሽገር ገሊጹ ኔሩ’ዩ። እቶም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ዘለዉ ዜጋታት “ንገንዘብ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ብምጥቃሞም” እዮም ተኸሲሶም ዘለዉ። ክሳብ 5 ቢልዮን ክዋቻ (ማለት 6.4 ሚልዮን ዶላር) ክቕጽዑ ከም ዝኽእሉ እውን ተገሊጹ’ሎ። ኣርባዕቲኦም ተኸሰስቲ ነቲ ገበን ኣይወዓልናዮን ኢሎም ኣለዉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com