Saturday , May 18 2024

ማልሞ: ሓደ ህጻን ብመስኮት ጸዲፉ

ትማሊ ምሸት: ከባቢ ሰዓት 10:00 ድሕሪ ቀትሪ: ሓደ ህጻን ካብ ካልኣይ ደርቢ ናይ ሓደ ህጻን ናብ ሓጹር (ካንሸሎ) ናይ ሓንቲ ስድራ ቤት ብመሰኮት ከም ዝወደቐ ተሓቢሩ። እቲ ህጻን ብኸቢድ ስለ ዝተጎድአ ነበረቲ ናይቲ ከባቢ ንፖሊስ ብምሕባር ተቐላጢፎም ንሆስፒታል ብኣምቡላንስ ወሲዶሞ።
ፖሊስ: ነቲ ጉዳይ ንምጽራይ ምስ ነበርቲ ናይቲ ከባቢ ክሳብ ሰዓት 1:30 ወጋሕታ ምዝርራብ ድሕሪ ምግባሩ: እቲ ዝተኸስተ ኣጋጣሚ ገበናዊ ፍጻሜ ክኸውን ከም ዝኽእል አሚኑ ንኽልተ ሰባት ብጥርጣረ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ የእቲዎም። እንተኾነ ግን: ነዞም ክልተ ሰባት ከወንጅል ዝኽእል እኹል መርትዖታት ስለ ዘይተረኽበ ከም ዝልቀቁ ኮይኖም ኣለዉ።
እዞም ከልተ ውልቀ ሰባት: እቶም ቀዳሞት ጥርጡራት እዮም። እቲ ጉዳይ ተኣፋፊ ስለ ዝኾነ ግን ዝያዳ ሓበሬታ ክንህብ ኣይንኽእልን ኢና ክብል ወሃብ ቃል ፖሊስ: ኪም ሂልድ: ሓቢሩ።
እቲ ፍጻመ: ኣካላዊ መጉዳእቲ ዘስዓበ ሸለልትነት ብምባል ፖሊስ ገሊጽዎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com