Saturday , May 18 2024

ማሕበራዊ ኮዳት ኣብ ዕዳጋ-ዕዮ ኣብ ሽወደን

ናይ ሽወደን ሕላገት ኮይኑ ዝረአ ሓድሓደ ማሕበራዊ ኮድ ናይ ዕዳጋ-ዕዮ ኣሎ።

ኣብ ቦታ ስራሕ፡ ልሙድ ዝኾነ ኣወዳድባ፡ ልሙጽ እምበር ጽፍሓዊ ኣይኮነን። እዚ ማለት ካኣ፡ መብዛሕትኦም ንስራሕ ዝምልከቱ ነገራት፡ ብሓለቓታትን ሰራሕተኛታትን ብሓባር እዩ ዝወሰን። እዚ ኣገባብ እዚ፡ ውሳነ ኣብ ምውሳድ ነዊሕ ግዜ ዝሓትት እኳ እንተኾነ፡ ንሰራሕተኛታት ግን ተሳታፍነትን ሓላፍነት ናይ ምውሳድ መንፈስን የስፍነሎም’ዩ።

ናይቲ ስራሕ ሃዋሁው፡ መብዛሕትኡ ግዜ፡ ምቕሉልነት ዝሰፈኖ እዩ። እዚ ማለት፡ እቲ ኣጸዋውዓ ሰብን ኣከዳድናን። ናብ ስራሕ፡ ኣብ ናይ ደገ ናይ ማዓልታዊ ህይወትና እንጥቀመሎም ክዳውንቲ ለቢስና ምምጻእ ልሙድ እዩ።

ኣብ መብዛሕትኡ ናይ ሽወደን ናይ ስራሕ ቦታ፡ ግዜ፡ ወሳኒ እዩ። ኣብ ሰዓትካ ክትርከብ ኣገዳሲ እዩ።

ኣብ መዓልቲ ስራሕ፡ እታ ኣገዳሲት ክፋል ናይ መብዛሕትኡ ቦታታት ስራሕ፡ እታ ሰራሕተኛታት ሓቢሮም ሻሂ ቡን እናበሉ ዘዕልሉላ ግዜ እያ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com