Sunday , May 19 2024
Foto: Kicki Nilsson / TT / kod 11380

ማሕበር ፖሊስ ሽወደን ን መሪሕነት ክኸስስ ከም ዝኽእል ይግለጽ ኣሎ።

ማሕበር ፖሊስ ሽወደን፡ ን መሪሕነት ኣኽበርቲ ጸጥታ ክኽስስ ከም ዝኾነ ይግለጽ ኣሎ። ኣብ ኣዜማ ፋስጋ ኣብ ዝተኸስተ ናዕቢ፡ ፖሊስ ግቡእ ግብረመስሊ ብምሃብ ህይወቶም ክዕቅቡ ብዘይምኽኣሎም፡ እቲ ማሕበር ክሲ ከእትወሎም ከም ዝኽእል ተሓቢሩ። ወኪል ጥዕናን ድሕነትን እቲ ማሕበር፡ ን ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብ እዋን እቲ ዕግርግር ፖሊስ ንገዛእ ርእሶም ንምክልኻል ዘኽእሎም እዂል ዕጥቂ ከም ዘይነበሮም ኣመልኪቱ። ብሰንኪ እቲ ናዕቢን ጎነጽን ልዕሊ 300 ሰብመዚ ፖሊስ ኣብ እዋን ምኽባር ሕጊ ጒድኣት ከም ዝወረዶም ምግላጾም ተሓቢሩ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com