Friday , May 17 2024

ማናቱ ጉጅለ ጀድዎርድ፡ ጸጉሪ ርእሶም ንወፈያ ካንሰር ይላጽዩ

ኣየርላንዳውያን ማናቱ ደረፍቲ ጀድዎርድ፡ ንዝኽሪ መዋቲት ወላዲቶም ኣብ ዝተኻየደ ምርኢት፡ ጸጒሮም ንሓገዝ ምክልኻል ሕማም ካንሰር ክውዕል ላጽዮም ኣረኪቦም ኣለዉ።

ማናቱ ጆንን ኤድዋርድን ዘካየድዎ ምርኢት ብቐጥታ ብ ተሌቪዥን ኣየርላንድ ከም እተመሓላለፈ እውን ተፈሊጡ። ጸጒርና በዚ ቊንጮ ቅዲ ካብ እንሰርሖ ዓሰርተ ዓመት ጌርና ኣሎና። ዳርጋ ሕላገትና እዩ ኮይኑ” ክብል ኤድዋርድ ምስ ሌት ሌት ሾው ኣብ ዝገበሮ ርክብ ገሊጹ’ሎ።

ሓዉ ቅድሚኡ ክላጸ ዝረኣየ ኤድዋርድ፡ ነቲ ኣብ ኣየርላንድ ብላጻይ ጸጒሩ ዝፍለጥ ሲንኣድ ኦኮኖር እምበር መሲልና ኢሉ።

ሕማም ካንሰር ንዘለዎም ሰባት፡ ምሳኹም ኣሎና ክንብሎም እዩ ዕላማና” ክብል ኤድዋርድ ገሊጹ’ሎ።

ጒጅለ ሙዚቃ ጀድዎርድ ኣብ 2009 ኣብ ITV ታለንት ሾው ብዝገበርዎ ምርኢት ተፈላጥነት ምርካቦም ዝዝከር እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com