Sunday , May 19 2024

ማእከላይ ባንክ ሽወደን፡ ለበዳ ኮሮና ክዘልቕ እንተድኣ ጀሚሩ፡ ቊጠባ ሽወደን ክሓዊ እዩ

ማእከላይ ባንክ ሽወደን ምስ ምዝላቕ ለበዳ ኮሮናን ተፈጢሩ ዘሎ ቁጠባዊ ቅልውላው ንኽሓዊ ትጽቢት ብምግባር ክሳብ 2023 ኣብ ዘሎ ግዜ፡ መጠን ወለድ፡ 0% ክኸውን ከምዝገበረ መርበብ ሓበሬታ ተተ (TT) ሓቢሩ።

እዚ ባንክ፡ መጠን ህዝባዊ ለቓሕ ክብ ክብልን ኣድላዪ ኣብ ዝኾነሉ እዋን፡ ፖሊሲ ገንዘባዊ ድጋፍ ክህሉ ብምባል ገደብ መሸጣ ቦንድታት ካብ 500 ናብ 700 ቢልዮን ክሮና  ከም ዝድይብ ጌሩ’ሎ።፡

ሽወደናዊ ክሮና ምስ ዩሮን ዳላርን ብምንጽጻር፡ ዝነበሮ ዋጋ ከምዝጎደለ ብመንገዲ ማእክላይ ባንክ መግለጺ ኣብ ዝወጻሉ እዋን፡ ኣብ ዕዳጋታት ሽወደን፡ መጠን ወለድ ብውሑድ መጠን ምጉዳሉ ተፈሊጡ።

ኣብ ካልኣይ ማዕበል ለበዳ ኮሮና ዝተኸስተ ምንቁልቋል ቁጠባ ሽወደን፡ ካብቲ ባንክ ዝተጸበዮ ዝተሓተ ምንባሩ እውን ተገሊጹ።

ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ኣብ ዝዘልቀሉ እዋን ቀይድታት ክለዓሉን ቁጠባዊ ኩነታት ክመሓየሹን እዮም ክብል ማእከላይ ባንክ ሽወደን ገምጋማቱ ድሕሪ ምግላጽ፡ ኣብ ዝሓለፈ ክረምቲ ዝተራእዩ ምምሕያሻት፡ ቁጠባ ሃገር ብቕልጡፍ ናብ ንቡር ክምለስ ከምዝግባእ ዝሕብሩ ተርእዮታት እዮም ነይሮም።

ማእከላይ ባንክ ሽወደን፡ ኣብ ዓመተ 2020፡ 2021 ከምኡውን 2022 ክረአ ትጽቢት ተነቢርሉ ዝነበረ መጠን ዝቕባበ ኣትሒትዎ ከምዘሎ ይፍለጥ። መጠን ጠቕላላ ውሽጣዊ ፍርያት፡ ኣብዚ ዓመት’ዚ ብ4% ክጎድልን ኣብ ዝቕጽል ዓመት ድማ ብ0.9% ክብ ክብል ምዃኑ ትጽቢት ይግበር። ኣብ ዓመተ 2022፡ መጠን ጠቕላላ ውሽጣዊ ፍርያት፡ ብ5% ክውስኽን ኣብ ዓመተ 2023 ድማ ናይ 2.2% ወሰኽ ከርኢ ትጽቢት ይግበር።  

ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት፡ መጠን ሽቕለት ኣልቦነት 9.4% ክበጽሕ ገምጋም ተገይሩ ከምዘሎን ዝቕጽል ዓመት ድማ ናብ 8.4% ከንቈልቊል ከም ዝኽእል ይግምገም። ኣብ ዓመተ 2023፡ መጠን ሽቕለት ኣልቦነት ናብ 7.7% ክበጽሕ ከምዝኽእል፡ ገምጋማት ይሕብሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com