Saturday , May 18 2024
STOCKHOLM 20200428 Riksbankens kommenterar dagens räntebesked under en pressträff i Stockholm. Riksbanken varnar för att coronakrisen kan radera ut en tiondel av svensk BNP i år. Foto: Ali Lorestani / TT kod 11950

ማእከላይ ባንክ ሽወደን፡ ንመጠን ወሰኽ ወለድ፡ 0% ገይርዎ

ማእከላይ ባንክ ሽወደን፡ ንዝነበሮ መጠን ወለድ፡ ብ0% ከምዝወሰኾ ተፈሊጡ። እዚ ኣውጺእዎ ዘሎ ሕጊ፡ ክሳብ 2024 ክጸንሕ ምዃኑ ይሕብር። ብተወሳኺ፡ እዚ ወጺኡ ዘሎ ውሳኔ፡ ከምዚ ኢሉ ንዝንውሕ ዝበለ ዓመታት ክቕጽል ተኽእሎታት ከምዘሎ ክትብል ናይ ቲቪ ተንታኒት ቁጠባ፡ ክሪስቲና ላገርስትሮ፡ ትዛረብ።

መጠን ወለድ ባንክ ዘይምውሳኹ፡ ጠቓሚ ክኸውን ከም ዝኾነን ካብኡ ሲዒቡ ከኣ ቀጻሊ ሓገዝ ከምዝኾነ ይሕብሩ። ቁጠባዊ ምዕባለ ሽወደን፡ ኣብ 2021 ነዚ ዝካየድ ዘሎ ክታበት ከቀላጥፎ ከም ዝኽእልን ከኣ ከምኡውን ንቁጠባ ሽወደን ኣዝዩ ሓጋዚ ከም ዝኸውን እቲ ባንኪ የነጽር።

ኩነታት መጠን ወለድ ማእከላይ ባንክ፡ ንዕዳጋ ኣባይቲ ዝጸልዎ ምዃኑ፡ እዚ ኸኣ ወለድ ናይ ገዛ ከምዚ ዘለዎ ንንውሕ ዝበለ ዓመታት ክቕጽል ምዃኑ ይሕብር።

ማእከላይ ባንክ ሽወደን፡ ነዚ ዝኽተሎ ዘሎ ናይ ወለድ ኣገባብ ንንውሕ ዝበለ ዓመታት እንተድኣ ቀጺልዎ፡ ከምሳዕቤኑ፡ ገንዘባዊ ዝቕበባን ልዑል መጠን ወለድን ከስዕብ ከምዝኽእል ተንተንቲ ቁጠባ ይእምቱ።

ሽወደናዊ ባጤራ (svenska kronan) ብ14% ናብ ዶላር ገጹ ከምዝዛየደን፡ ዋጋ ክሮኑር፡ ቕድሚ ቁሩብ ኣዋርሕ ኣብቲ ዝለዓለ መጠን ክብ ከምዝበለ ይንገር። ኣብ ወርሒ ጥሪ 2021፡ ቁጠባ ሽወደን፡ ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ክነጻጸር እንከሎ ብ 13% ከምዝተመሓየሸ ቁጠባዊ ጸብጻባት ይሕብሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com