Saturday , May 18 2024

ማእከላይ ባንክ ሽወደን ንዋጋ ወለድ ባንክ ብዝምልከት ክሳብ ዝቕጽል ወርሒ ታሕሳስ ከም ዘለዎ 0.25% ከይወሰኸ ክጸንሕ ምዃኑ ሓቢሩ።

እዚ ውሳኔ’ዚ ንዓቕሚ ባጤራ ክሮነር ምስ ዶላርን ዩሮን ኣወዳዲርካ ኣብ ናይ ንግሆ ምንቅስቓስ ሸርፊ ባጤራታት ሓይሊ ከምዝወሰኸሉ ካብ ማእከላይ ባንክ ዝወጸ ጋዜጣዊ መግለጺ ይሕብር። ድሕሪ ቁሩብ ዓመታት፡ ሓያል ቁጠባዊ ምንቅስቓስ ናይ ቀረባ ዝቕባበን ናብቲ ዝሕሰብ ዕላም ናይ 2% ምስ ኣብጸሓና፡ ቁጠባ ሽወደን ክረገጋእን ኣብ ንቡር ክምለስን ምዃኑ እቲ መግለጺ ብተወሳኺ ገሊጹ። ብመሰረት ሓበሬታ ባንክ፡ ኣብዚ ዓመት ከጋጥም ዝኽእል ዝቕባበ ባጤራ ከምዘየለ ይግምግም።

እንተኾነ ቁጠባዊ ኣንፈት ዓለምና ንጹር ብዘይ ምዃኑ ኣብ ሽወደንን ካልኦት ሃገራት ከጋጥም ዝኽእል ናይ ባጤራ ዝቅባበ ዓቢ ክኸውን ከምዝኽእል ይንገር። ብኻልእ ወገን፡ ግዳማዊ ባእታታት ኣብ ልዕሊ ቁጠባ ሃገራት ዓቢ ጽልዋ ኣለዎም። ኣብ ሞንጎ ሕቡራት ሃገራት ኣሜሪካን ቻይናን ኣጋጢሙ ዘሎ ናይ ንግዲ ወጥሪ፡ ምውጻእ ናይ ዓዲ እንግሊዝ ካብ ኤውሮፓዊ ሕብረት ዝኣመሰሉ ንቑጠባዊ ዕብየት ሃገራት ንጹር ዝኾነ ስእሊ ንኸይህልዎ ጠንቂ ዝኾኑ ግዳማውያን ባእታታት ምዃኖም እቲ ባንክ ኣብ መግለጺኡ ሓቢሩ። ዋጋ ሓደ ዶላር 9.56 ክሮነር ምዃኑ፡ ዋጋ ሓደ ዩሮ ድማ 10.66 ክሮነር ምዃኑ እቲ ባንኪ ኣብ መግለጺኡ ሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com